ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ክፍሊ ቴክኖሎጂ ቦርድ ምርጫ ኬንያ ተቐቲሉ


ክሪስ ማሳምዶ- ሓላፊ ክፍሊ ቴክኖሎጂ ቦርድ ምርጫ ኬንያ
ክሪስ ማሳምዶ- ሓላፊ ክፍሊ ቴክኖሎጂ ቦርድ ምርጫ ኬንያ

ሃገራዊ ምርጫ ኬንያ ክኻየድ ትሸዓተ መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን ሓላፊ ክፍሊ ቴክኖሎጂ ቦርድ ምርጫ ኬንያ ተቐቲሎም።

ሰበ ስልጣን ኬንያ ንሞት ክሪስ ማሳምዶ ዘረጋገጹ ክኮኑ ከለው፡ ክሪስ ቅድሚ ሞቱ ሰለስተ መዓልታት ንመወዳእታ ጊዜ ከምዝተራእየ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

አቦ መንበር ቦርድ ምርጫ ኬንያ ዋፉላ ቺቡክቲ “ ተሳቕዩ ንምሟቱ ምንም ዘጠራጥር ነገር የለን” ክብሉ ገሊጾም።

“ ብርግጽ ምርመራ ክካየድ’ዩ ግን ኣብ ኣእምሮና ማለት ኣብቲ ኮሚሽን ዝለዓል እንኮ ነገር ግን መን ቀቲልዎን ንምንታይን እዩ።”

አቦ መንበር እቲ ምርጫ ቦርድ ካልኦት አባላት እቲ ቦርድ ኣብዚ ናይ ሓዘን ጊዜ ብህድኣት ክሓልፍዎ አተሓሳሲቦም አለው።

ንሞት አባል ምርጫ ቦርድ ዝምልከት ንፖሊስ ኬንያ ንምርኻብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይተዓወተን።

ምርጫ ኬንያ ክካየድ ቁሩብ መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ ሕጂ እዋን ግጭት ከጋጥም ይኽእል’ዩ ዝብል ልዑል ስግኣት ምህላዎ ዝተፈላልዩ ወገናት ይሕብሩ አሎ።

ተቓወምቲ ፓርቲታት እታ ሃገር ፕረዝደንት ኡሁሩ ኬንያታ ንምርጫ ከጭበርብሩ ይክእሉ’ዮም ኢሎም ክኸሱ ከለው ፕረዝንደት ኬንያታ ብወገኖም ቀዳማይ ሚንስተር ነበርን መራሒ ተቓወምቲ ራይላ ኦዲንጋ ነታ ሃገር ብዘርኢ ክመቓቕሉ ይፍትኑ’ዮም ይብሉ።

ኣብ 2007 ዓ.ም ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ምርጫ ብዝተለዓለ ግጭት ልዕሊ 1,100 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሓላፊ ክፍሊ ቴክኖሎጂ ቦርድ ምርጫ ኬንያ ተቐቲሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:31 0:00

XS
SM
MD
LG