ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ፣ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን 25 ቢልዮን ዶላር ንዝዋግኡ ውዕል ንግዲን ቁጠባን ተሰማሚዔን


እቲ ውዕል ንህንፀት ሓድሽ ወደብ፣ፅርግያን ሸምበቆ ነዳዲን ይሓቁፍ

መራሕቲ ኬንያ፣ኢትዮዽያን ደቡብ ሱዳንን ንሰለስቲኤን ሃገራት ዘገልግል ህንፀት ሓድሽ ወደብ ከምኡውን ንኩለን ሃገራት ዘራኽብ ገዚፍ ህንፀት መራኸቢ መሰረት ኣብ ዘንበረ ስነ-ስርዓት ተረኺቦም።እቲ ውጥን፣ደቡብ ሱዳን ኣብ ክንዲ ብመናሓንሕታ ሱዳን ብኬንያ ኣቢላ ነዳዲ ንክትልእኽ ዘኽእላ ምዝርጋሕ ሸምበቆ መተሓላለፊ ነዳዲ‘ውን ዝሓቆፈ‘ዩ።

ኣብ‘ቲ ሎሚ ዝተካየደ ስነ-ስርዓት ናይ ኬንያ ፕረዚደንት ምዋዪ ኪባኪ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣እቲ ስምምዕነት ንቁጠባዊ ምትእስሳር ሃገራት‘ቲ ዞባ ወሳኒ‘ዩ ኢሎም።

“ኣብ ቅድሜና ይፅበየና ዘሎ ናይ ህዝብታት ማሕበረ-ቁጠባዊ ምትእስሳር ናብ ዝላዓለ ብርኪ ኣብ ዝበፅሓሉ እዋን፣እዛ ዕለት‘ዚኣ ኣብ ታሪኽ ፍልይ ዝበለ ስፍራ ከምዝህልዋ ፈፂመ ኣይጠራጠርን” በሉ ሚስተር ኪባኪ።

ብዘይካ ወደብ ለሙ፣ኮሪደር ላፕሴት ንካልእ ውጥናት‘ውን ዘጠቃለለ‘ዩ።1,600 ኪ/ሜ ንውሓት ዝህልዎ ዘመናዊ መንገዲ ባቡርን 1,700 ኪ/ሜ ዝንውሓቱ ፅርግያን ሰለስተ ዓለም-ለኸ መዕርፎ ነፈርቲን።

መራሒ ደቡብ ሱዳን ፕረዚደንት ሳልቫ ክየር ብወገኖም፣እቲ ዝዝርጋሕ ሸምበቆ መተሓላለፊ ነዳዲ ፖለቲካዊ ዓወት‘ዩ ኢሎም ገሊፆምዎ።

ኣብ‘ቲ እዋን መደረ ዘስምዑ ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ብወገኖም “ካብ‘ዚ ዞባና ሪሒቀን ምስ ዝርከባ ሃገራት ንግዳዊ ርክብ ክህልወና የብሉን ማለት ኣይኮነን።እንተኾነ፣ውጥን ምዕባለና ክንሕንፅፅ ከለና፣ንዞባዊ ርክብ ንግዲ‘ውን ቆላሕታ ክንገብረሉ ይግባእ ማለተይ‘የ” በሉ ኣቶ መለስ።

ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ወካላይ ባንኪ ዓለም ዎልፍጋንግ ፈንግለር፣ህንፀት ሓደሽቲ ፅርግያታትን ወደባትን ኣብ ቅኑዕ ኣንፈት ከምዘለው ዝሕብር‘ዩ፣ ትግባረኦም ግና እቲ ዝዓበየ ፈተና ክኸውን‘ዩ ይብል።

ብዘይካ‘ዚ ብዛዕባ ወደብ ለሙ ዝላዓሉ ሻቅሎታት ኣሎ።ህዝቢ‘ቲ ከባቢ ዝኾኑ ማሕበረ-ሰብ ስዋሂሊ ነቲ ህንፀት ወደብ ይቃወምዎ‘ዮም።
ንከባቢያዊ ሓለዋ ፀር‘ዩ ዝብሉን፣ነበርቲ‘ቲ ከባቢ መርየትና ክንምንጠል ኢና ዝብል ስግኣት‘ውን ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG