ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ: መራሒ ተቃወምቲ ዜጋታት ናብ ስራሕ ከይኸዱ እንተጸውዑ’ኳ ብዙሓት ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ተረኺቦም’ዮም


ኣብ ኬንያ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ስዒቡ መራሒ ተቃወምቲ ራይላ ኦንዲንጋ ምርጫ ተጭበርቢሩ’ዩ ብምባል ደገፍቶም ሎሚ ሶኑይ ናብ ስራሕ ከይወፍሩ እንተጸውዑ’ኳ ብዙሓት ነበርቲ ዋና ከተማ ናይሮቢ ግን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ተረኺቦም’ዮም።

ይኹን ደአ እንበር ጎደናታት እቲ ትሑት አታዊ ዘለዎም ዜጋታት ዝነብርሉ ማትሃር ዝተባህለ ከባቢ ግን ተዓጽዮም ወዒሎም አለው። እዚ ቦታ ቀንዲ ደገፍቲ ተቃወምቲ ዝርኸብሉ ቦታ ምኳኑ ይፍለጥ። ምርጫ ቦርድ እታ ሃገር ብወገኑ እቲ መስርሕ ምርጫ ኮነ ምቁጻር ድምጺ ከምዘይተጭበርበርን ዓለምለኸ ተዓዘብቲ እቲ መስርሕ ምርጫ ዕውት ምንባሩ ገሊጾም’ዮም ይብሉ።

ዋላ’ኳ ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ውጥረት ከምዘሎ እንተተሓበረ ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ናይሮቢ ግን ኩነታት እታ ሃገር ናብ ንቡር ምምላሱ ይገልጹ።

አቦ መንበር ኮሚሽን ምርጫ ዋፍሉ ቸቢካቲ ዓርቢ ምሽት ንምዕዋት ኬንያታ ምስ ገለጹ ኣብታ ሃገር ብውጽኢት ምርጫ ሓጎሶም ዝገልጹን ዝቃወሙን ዜጋታት ምርኣዮም ይገልጹ።

ናይ ኬንያ ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ብወገኑ ኣብ ነሓሰ 7,2017 ኣብ ዝነበረ ግጭት ፖሊስ 24 ሰባት ምቕታሎም ይኸሱ፡ ፖሊስ ግን ነዚ ይነጽጉ።

XS
SM
MD
LG