ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ፕረ. ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ኬንያ ዳግማይ ተዓዊቶም


ኣቦ መንበር ምርጫ ኬን ያ ዋፉላ ቸቡካቲ ትማሊ ዓርቢ ፕረ. ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ኬንያ ከምዝተዓወቱ ኣፍሊጦም።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣቦ-መንበር ምርጫ ኬንያ ዋፉላ ቸቡካቲ ፕረ. ኬን ያ ኡሁሩ ኬንያታ 54.27 ሚእታዊት ድምጺ ማለት ልዕሊ 8 ሚልዮን ምዃኑ'ዩ ረኺቦም ።

ቀንዲ መቐናቕንቶም ዝኾኑ ራይላ ኦዲንጋ ድማ ካብ ሓፈሻዊ ዝተኣከበ ድምጺ 44.74 ሚእታዊት ማለት ኣስታት 7 ሚልዮን ድምጺ ከምዝረኸቡ ተፈሊጡ።

መግለጺ ውጽኢት ምርጫ ኬንያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:03 0:00

ፕረዚደንት ኬንያት ድሕሪቲ ውጽኢት ምንጋሩ ኣብ ዝሃብዎ ናይ መግለጺ: በቲ ውጽኢት ንደገፍቶም ድሕሪ ምምስጋን ኣብቲ ምርጫ ሓደ ተዓዋቲ ጥራይ ክህሉ ከምዝነበሮ ጠቒሶም። ይኹን'ምበር እታ ሃገር ናይ ኩላቶም ብምዃና ኣብቲ ምርጫ ንዘይተዓወቱ ብሓባር ንክሰርሑ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ሰልፊ ናይ ኣብቲ ምርጫ ዘይተዓወቱን ቀንዲ መቐናቕንቲ ፕረዚደንት ኬንያታ ምዃኖምን ዝፍለጡ ራይላ ኦዲንጋ ግን ንኤለክትሮኒካዊ መቐመጢ ሓበሬታ ድምጺ ምርጫ ክርእዩ ድሕሪ ምፍቃዱ ጥራይ ነቲ ውጽኢት ምርጫ ዝቕበሉ ምዃኖም ኣፍሊጦም ኣለው።

ዝሓለፈ ሓሙስ ኮሚሽን ምርጫ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ናይ ኤለክትሮኒካዊ መድመጺ መሳርሒታቱ ፍሹል ናይ ምጭዋይ ፈተነ ከምዝተኻየደ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ: ኣብ ልዕሊ ዕዉት ኮይኑ ዝተረቑሐ ፕረዚደንት ኬን ያታ ብውሑዱ ናይ 600 ሽሕ ድምጺ ጸብለልታ ከምዘለዎ'ዮም ዝገልጹ።

XS
SM
MD
LG