ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኬንያ ባንክታት ቻይና ሃገሩ ልቓሓ ብዘይምኽፋላ ቐጺዓናኣ ዝብል ጸብጻብ ነጺጉ


ፋይል
ፋይል

መንግስቲ ኬንያ: ሃገሩ መንገዲ ባቡር ንምስራሕ ዝተለቅሐቶ ዕዳ ብዘይምክፋላ ባንክታት ቻይና 11 ሚሊዮን ዶላር ቀፂዖምዋ ንዝብል ፀብፃባት መራኸቢ ብዙሃን ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡ።ሚንስትሪ ገንዘብ ኬንያ እታ ሃገር ካብ ዝኾነ ይኹን ኣለቃሒ ዕድኣ ንምኽፋል ቦኺራ ኣይትፈልጥን ኢሉ።

ፕሮጀክትታትን ፕሮግራማትን መንግስቲ ንምስራሕ ንዓመታት ካብ ቻይና ገንዘብ ክትልቃሕ ዝፀንሐት ኬንያ ዕዳኣ ክተኽፍል ትኽእል እንተኾይና ሕቶታት ክልዓሉ ፀኒሖም እዮም።

ሚንስተር ፋይናንስ ኡኩር ያታኒ ባንክታት ቻይና ኬንያ ዕድኣ ክትኸፍል ብዘይምኽኣላ 11 ሚሊዮን ዶላር ቀፂዐንኣ ንዝብል ፀብፃባት መራኸቢ ብዙሃን መልሲ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን ሃገሩ ዕድኣ ዘይኸፈለትሉ እዋን የለን ኢሉ።

ኬንያ 100 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ መንገዲ ባቡር ንምስራሕ ኣርባዕተ ቢሊዮን ዶላር ተልቂሓ እያ።

XS
SM
MD
LG