ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ መበል 50 ዓመት ነፃነታ ክተኽብር ውዒላ


Kenyan president Uhuru Kenyatta,
ኬንያ ካብ ናይ ኢንግሊዝ መግዛእቲ ነፃ ዝወፀትሉ መበል 50 ዓመት ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣኽቢራ።ነዊሕ ዝፀንሐ ናይ ዓሌታት ምስሕሓብ ተወጊዱ ሃገራዊ ሓድነት ንኽዓስል እውን ፃውዒት ቐሪቡ።

ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ስታድዮም ኣብ ዝተኻየደ ድሙቕ ስነስርዓት ኬንያዊያን ነፃ ዝፀወፅሉ ወርቂዮብል በዓሎም ኣኽቢሮም።

ናይ ኬንያ ፕሬዝዳንት እሁሩ ኬንያታ ኣብቲ ስነስርዓት ኣብዘስምዕዎ መደረ ነፃነት ብቐሊሉ ኣይተረኸበን ንናይ ሃገር ሰላምን ልምዓትን ከምኡ’ውን ሓድነት ስግኣት ዝኾነ ኣብ መንጎ ዓሌታት ዝፍጠር ህውከት ፈተና ኮይኑ ምቕፃሉ ሓቢሮም።

ናይ ሓባር ዕላማና ነዚ ትርጉም ኣልቦ ናይ ዓሌታት ወጥሪን ፅልኢትን ንኸብቅዕን ንኹሎም ዜጋታትና ሓድነት ምፍጣርን እዩ ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’እዚ ክቡር ዕላማ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል መሪሕነት ንምሃብ ቆሪፀ ኣለኹ’’ኢሎም።

ፕሬዝዳንት ኬንያታ ብምውሳኽ ኬንያ ንቕድሚት ንኽትስጉም ምስ ሃገራት ኣፍሪካ እንተሓቢራ እዩ ኢሎም።እዚ ግብራዊ ንክኸን እውን ናብ ኬንያ ንዝጉዓዙ ኣፍሪካዊያን ናይ መእተዊ ቪዛ ምችው ኩነታት ምፍጣርን ሓዊሱ ሓደሽቲ ተበግሶታት ዕላዊ ገይሮም ኣለው።

ፕሬዝዳንት ኬንያታ ወዲ ፈላማይ ፕሬዝዳንት እታ ሃገር ዝኾኑ ጆሞ ኬንያታ እዮም።ፕሬዝዳንት ጆሞ ኬንያታ 12 ታሕሳስ 1963 ኣ/ፈ መግዛእታዊ ባንዴራ ብሪታኒያ ወሪዳ ንፈለማ ግዜ ባንዴራ ኬንያ ደይባ ንኽትንብልበል ዝገበሩ መራሒ እዮም።
XS
SM
MD
LG