ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ቂሐ ጽልሚ` ብዛዕባ ምርኢት ፋሺን ኣስመራ፡ ቋንቋ ኩናማን ብህሊ ራያን ሒዛላ


ምርኢት ምህዞ ጽባቐ ክዳውንቲ ኣብ ኣስመራ፡ ቆልዑ ኩናማ ብቛንቁኦም ክምሃሩ ኣብ ክሊ ትግራይ ይጽዓር፡ ደቂ ራያ ባህልና ይርሳዕ ኣሎ ዝብል ስኽፍታ የስምዑ

ኣብ ኣስመራ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ምርኢት ፋሺን ማለት ምርኢት ምህዞ ጽባቐ ኽዳውንቲ ተራእዩ ኔሩ። ዲዛይነር ሙሉጌታ በላይ፡ ንባህላዊ ክዳውንቲ ብዘመናዊ ቅዲ ኣስፊየዮ ይብል። 10 ደቀንስትዮን 3ተ ደቂ-ተባዕትዮን ከምዝተሳተፍዎ`ውን ገሊጹ።

ኣብ ኢትዮዽያ ዝርከቡ ተወለድቲ ኩናማ ቋንቁኦም ተማሂሮም ስለዘይፈልጡ መምህር በሪሁ ሓድጉ ብውልቆኦም ብዘካየድዎ መፅናዕቲ ምስ ኣካላት መንግስቲ ብምትሕግጋዝ ህፃውንቲ ኩናማ ብኩናምኛ ክማሃሩ ክኢሎም ኣለዉ።

ካብ ደቡባዊ ትግራይ ድማ ክልተ ራያቶት ንባህሎም ይገልጹ።

ምሉእ መደብ ቂሐ-ጽልሚ ንምስማዕ ኣብ`ዚ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG