ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቂሔ-ጽልሚ፡ ውድድር ቪድዮ ንታሪኽ ደቀንስትዮ፡ ፊልምታት `ሮጾራን` ዘይረገፈት ዕንባባን` ጉዳይ መሰል ዋንነትን ካልእን ኣልዒላ`ላ


ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ብምኽንያት ወርሒ መጋቢት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ናይ ፊልም ውድድር ኣዳልዩ ኔሩ። ካብ መንጎ 190 ተሳተፍቲ ውድድር ቀዳመይቲ ኮይና ዝተዓወተት “ስራሕ የብላን” ብዝብል ርእስ ዝቀረበት ሓጻር ፊልም ኮይና፡ብዛዕባ ልዕሊ ሰብኣያ እናሰርሐት ግን `ኣብ ገዛ ኢያ ትውዕል ኣይትሰርሕን`ያ` ዝብል ኣበሃህላ ሕብረተሰብ ተንጸባርቕ ፊልም'ያ።

Essey Tesfagabir
Essey Tesfagabir

ካልእ ትሕዝቶ ሎሚ ቂሐ-ጽልሚ፡ ብዛዕባ ጸገማት ምጥሓስ መሰል ዋንነት ንብረት(ኮፒራይት) ክልተ ኣጋይሽ ዓዲማ ኣመያይጣ። ደራሲ`ታ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ሽወደን ዝተመረቐት `ሮጸራ` እሰይ ተስፋጋብር፡ ከምኡ ድማ ደራሲ`ታ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ፡ ኣብ ዋሺንገተን ዲሲ ዝተመረቐት `ዘይረገፈት ዕንባባ` ታደሰ ዑቕባዝጊ (ኣመሪካ)`ዮም።

Tadesse America
Tadesse America

ካብ ኢትዮጵያ`ውን ብዛዕባ ምጥቃም ቋንቋ ትግርኛ ኣብ መለለዪ ትካላት ንግዲ`ውን ተዛሪብና`ለና ኣብናይ ሎሚ ቂሐ-ጽልሚ፡

ንምልክት ድምጺ ብምጽቃጥ ምሉእ ፕሮግራም ክትሰምዑ ትኽእሉ።

XS
SM
MD
LG