ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ነበር ጆኒ ካርሰን ዝሃብዎ ርእይቶ


ጆን ካርሰን
ጆን ካርሰን

ኣብ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ሓላፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበሩ ሚስተር ጆኒ ካርሰን ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ህውከትን ስዒቡ ዝተኣወጀ ጊዝያዊ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ርእይቶ ሂቦም'ለው።

ንሶም ‘ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪቃ እታ ኣዝያ ኣገደስቲ ሃገራት’ያ። ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካል ኣይ ደረጃ ትስራዕ ኢትዮጵያ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ገዚፍ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘረጋገጸት ሃገር፣ ኣብ’ቲ ዞባ ናይ ኣሜሪካ ኣገዳሲት መጻምዲ ሰላምን ጸጥታን’ውን’ያ’ ኢሎም።

ኣስዒቦም ‘ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኦሮምያን ዝተኸሰተ ህውከት ኣዝዩ ኣሻቃሊ’ዩ፣ መንግስቲ ጊዚያዊ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምትግባሩ ነቲ ኩነታት ብንቡር ኣሰራርሓ ክሳዕ ክንደይ ክቆጻጸሮ ዘይምኽኣሉ ሓባሪ’ዩ’ ኢሎም።

ጆን ካርሰን ‘ኣብ ኢትዮጵያ ፍታሕ ዘድልዮም ጸገማት ከምዘለው ንጹር’ዩ። ኢትዮጵያ ዴሞክራሲኣ ኣብ ምጥንኻር ንቅድሚት ክትደፍአሉ ኣለዋ። ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ክተማሓይሽ ይግባእ። ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት’ታ ሃገር ኩነተ ኣልቦ ሰላምን ኣልቦ ቅሳነትን እንተቀጺሎም፣ ኣብ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ዘፈራት ዘመዝገበቶም ምዕባለታት ክቅልበሱ’ዮም። ስለዚ ዴሞክራሲ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ፖለቲካዊ ባይታን ምስፋሕ ኣገዳሲ’ዩ’ ባሃላይ’ዮም።

ኣብ መወዳእታ ‘እዞም ዝጠቀስኩዎም ጸገማት መዕለቢ ክሳብ ዘይረኸቡ፣ እታ ሃገር ኣብ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ዘፈራት ንዘመዝገበቶም ኣዎንታታት ክልክሞ’ዩ’ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG