ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጆን ኬርይ ኣብ ኣዲሳበባ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም


ጆን ኬርይ
ጆን ኬርይ
ትማሊ ኣማስዮም ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ ምስ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ተራኺቦም ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ተዘራሪቦም።

”ሻቅሎተይ ንሓደ ዓሚ ዝረኸብክዎ ንኡስ ኢትዮዽያዊ ብምጥቃስ ገሊፀ‘የ። ናትናኤል ፈለቀ ምስ ሸሞንተ መዘንኡ ተኣሲሩ‘ሎ” ኢሎም።

”ሙሉእ ትግባረ ሕገ-መንግስቲ ኣገዳሲ ንምኳኑ ንኣምን ኢና።ሕጊ ፀረ ግብረ ሸበራ‘ውን ሓሳብካ ብናፃ ምግላፅ ንክፃባእ ክንፈቅድ የብልናን።ምስ ሰበ-ስልጣን ክራኸብ ከለኹ ብዛዕባ ምፅባብ ባይታ ኣልዒለ ይዛረብ‘የ። ዝተኣሰሩ ንክፍትሑ ፀዊዕና ኢና።እዚ መርገፂ መንግስትና‘ዩ” ባሃላይ እዮም እቶም ምንስትር ወፃኢ።

”ብመንፅር ቁጠባዊን ካልኦትን ጉዳያት ኢትዮዽያ ንቅድሚት ትስጉም ከምዘላ ምዝራብ ግቡእ ይመስለኒ።ሰፊሕ መደባት ኣብ ምፍፃም ትርከብ ሃገር‘ያ።ክተረጋግፁ እንተደሊኹም፣ከም‘ቲ ኣነ ዝገበርክዎ ኣብ ጎደናታት ኣዲስ ኣበባ ብመኪና ተዘዋወሩ።ሽዑ ቁጠባዊ ምንቅስቃስ፣በዝሒ ማካይን ህንፀትን ይሳለጡ ዘለው ህንፀታት ክትሪኡ ኢኹም።እዚ ንናይ‘ዛ ሃገር ስሉጥ ምዕባለ ምስክር‘ዩ” ኢሎም ጆን ኬርይ።

ጆን ኬርይ ኢትዮዽያ ካብ ሞንጎ‘ተን ስሉጥ ምዕባለ የመዝግባ ዘለዋ ዓሰርተ ሃገራት እታ ሓንቲ ምኳና ጠቂሶም ኣለው።ኣሜሪካ ምዕባለ ኢትዮዽያ ኣብ ምድጋፍ ቆሪፃ ከምዘላ‘ውን ኣረጋጊፆም።ኢትዮዽያ ንፀገማት‘ቲ ዞባ ኣብ ንምፍታሕ፣ምስ ኢጋድን በይናን ንትፍፅሞም ፃዕሪታት ንኢዶም።
ሙሉእ ሪፖርት’ቲ ጋዜጣዊ መግለፂ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:48 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG