ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚተ ጥሪ 6 ንጉዳይ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ናብ ክፍሊ ፍትሒ የሕሊፉ


ኮሚተ ጥሪ 6 ንጉዳይ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ናብ ክፍሊ ፍትሒ የሕሊፉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:11 0:00

ኮሚተ ጥሪ 6 ንጉዳይ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ናብ ክፍሊ ፍትሒ የሕሊፉ

ንጉዳይ ናዕቢ 6 ጥሪ 2021 ክምርምር ዝጸንሐ ኮሚተ ባይቶ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብኣርባዕተ ከሕትቶም ዝኽእል ገበናት፡ ጉዳዮም ክምርመር ናብ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ የሕሊፉ። እዚ ኣብ ታሪኽ ፕረዚደነት ኣመሪካ ናይ ፈለማ ተርእዮ’ዩ።

ፕረዚደንታዊ ምቝጻር ድምጺ ንምትዕንቓፍ ብዝተወልዐ ናዕቢ 6 ጥሪ 2021 ክርኢ ዝቘመ ኮሚተ፡ ድሕሪ ናይ ዓመትን ፈረቓን ስራሑ፣ 10 ክፉት ምስማዕ ምስክርነትን ልዕሊ 1000 መሰኻኽርን ስራሑ ዛዚሙ ኣሎ።

ኣባል ሰልፊ ደሞክራትን ኣካል’ቲ ኮሚተ በኒ ቶምፕሶን፡ “ከም ስርዓታ ዝሓለወት ደሞክራሲያዊት ሃገር ክንቅጽል እንተዄንና፡ እዚ ዝመስል ተርእዮ ከጋጥም የብሉን፡” ክብሉ ቃሎም ሂቦም።

እቲ ሸውዓተ ካብ ሰልፊ ደሞክራትን ክልተ ካብ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝሓዘ ኮሚተ፡ ንዶናልድ ትራምፕ ጉዳዮም ብገበን ክምርመር ናብ ክፍሊ ፍትሒ የሕሊፉ ኣሎ።

ካብ ሰልፊ ሪፓብሊካን ኰይነን ኣባል’ዚ ኮሚተ ዝዀነ ሊዝ ቸይን ብዛዕባ’ዚ ክዛረባ እንከለዋ፤“6 ጥሪ 2021 ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ፡ ሓደ ፕረዚደንት ብቅዋማዊን ሰለማዊን መገዲ ስልጣኖም ከረክቡ ክኣብዩ ናይ መጀመርታኡ’ዩ፡”ይብላ።

እቲ ኮሚተ ክሲ ክምስርት ሕጋዊ ሓላፍነት የብሉን። እንተዀነ፡ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ብኣርባዕተ ጥፍኣታት ክኽሰሱ ከም ዝኽእሉ ናብ ክፍሊ ፍትሒ ለበዋታቶም የሕሊፎም ኣለዉ።

ካብ ሰልፊ ደሞክራት ዝዀነ ጀሚ ራስኪን፡ እቲ ኮሚተ፡ ነቶም ፕረዚደንት ነበር ብገበን ከሕትቶም ዝኽእል እኹል መርትዖታት ምእካቦም ይገልጹ።

ሓገግቲ ኣካል፡ ብፈተነታት ምትዕንቓፍ ንገበናዊ መስርሓት፣ ንምርጫ ክልውጥ ምድላይ፣ ካብ ክውንነት ወጻኢ ዘረባ ብምቕራብ ደገፍቲ ምጕህሃርን ፈተነ ዕልዋ ምቝጻር ድምጺን ክኽሰሱ ከም ዝኽእሉ ይሕብሩ።

ጀሚ ራስኪን ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ክዛረቡ እንከለዉ፤“ነዚ ምሕጽንታታት ናብ ክፍሊ ፍትሒ ከንሕልፎ እንከሎና፡ ንነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ብዓሚቝ ድሕሪ ምምርማርን ክብደቱ ኣብ ምጕዕጻጽ ደሞክራሲ ዘለዎ ተራን ብምርዳእን ኢና። ከምቲ ኣብ ጸብጻብና ኣመልኪትናዮ ዘሎና፡ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ምሕጽንታት ምስ ሕጊ ብምንጽጻር’ዩ።”

እቲ ኮሚተ፡ ንጠበቓ ትራምፕ ዝዀኑ ጆን ኢስትማን ከምኡ’ውን ንወሃብ ቃለ-ጉባኤ ይቀራረቡ ምህላዎም ዝእምነሎም ከቪን ማክራቲን’ውን ሕጋዊ ክሲ ክምስረተሎም ሓሳባት ሂቡ ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ኮሚተ ደጋጊሞም ክነጽጉዎ ጸኒሖም’ዮም። እቶም ፕረዚደንት ነበር “ፍትሓዊን ናጻን ኮሚተ ኣይኰነን” ብምባል ይውንጅሉ። እንተዀነ መብዛሕትኦም መሰኻኽር ኣቐዲሞም ምስቶም ፕረዚደንት ዝሰርሑ ዝነበሩ’ዮም።

ኣቐዲማ ኣብ ዋይት-ሃውስ ምኽትል ጸሓፊት ፕረስ ዝነበረት ሳራ ማቲው፡ እቶም ፕረዚደንት ነበር ኣብ ክንዲ ብተነጻል ነቲ ኮሚተ ዘነኣእሱ፡ ዝዝረብ ሃገራዊ መልእኽቲ እንተ ዝነብሮም ናብ ቴለቪዥን መጺኦም ክዛረብ ዕድል ከም ዘለዎም ኣመልኪታ። ዛጊት ከምኡ ዘይምግባሮም ድማ ከም ዘንቅፍም ወሲኻ ገሊጻ።

ናይ መወዳእታ ጸብጻብ እዛ ኮሚተ ንረቡዕ ንህዝቢ ቅሉዕ ክኸውን ተመዲቡ ከም ዘሎ ወኪልና ካትሪን ጂፕሰን ካብ ባይቶ ኣመሪካ ሓቢራ ኣላ።

XS
SM
MD
LG