ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ኢጣልያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስደተኛታት ብምስግጋር ጠርጢሩ ንዝቐየዶ ሰብ ብጌጋ’ዩ ተባሂሉ


መድሃኔ ተስፋማሪያም ኪዳነ
መድሃኔ ተስፋማሪያም ኪዳነ

ብዘይሕጋዊ መንገዲ ስደተኛታት ብምስግጋር ገበን ንዝተጠርጠረ ኤርትራዊ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ካብ ሱዳን ተረኪበ’ለኹ ክብል ፖሊስ ኢጣልያ ንዝገለጾ ሰብ: ብልክዕ እቲ ዝድለ ሰብ ዘይምዃኑን: እቲ ቕዩድ ምስቲ ናይ ዝድለ ዘሎ ጥርጡር ስም ኣቦን ስም ኣቦ ሓጉኡን ዝተፈልየ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ’ለው።

እቲ ብተግባር ምስግ ጋር ደቂ ሰብ ተጠርጢሩ ዝድለ ዘሎ መድሃኔ ይሕደጎ መርእድ ዝተባህለ ክኸውን እንከሎ: እቲ ኣብ ሱዳን ተታሒዙ ንፖሊስ ኢጣልያ ዝተመሓላለፈ ውልቀሰብ ግን መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ ከምዝበሃልዩ ተሓቢሩ።

ፈለማ ንድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ትግርኛ ነዚ ሓበሬታ ዝሃቡ ሓፍቱ ሰገን ተስፋማርያም በርሀን መተዓብይቱ ኣማኑኤል ዛይድን ክኾኑ ኸለው: ካልእ ካብ ሽወደን በቲ ዘይ-ሕጋዊ ምስግጋር ዝነጥፍ ሰብ ክሳብ ሲናይ ከምዝተሰጋገረ ዝገለጸ ውልቀ-ሰብ ምስሊ እቲ ተታሒዙ ዘሎ ሰብ እቲ ዝድለ ዘሎ ዘስገሮ ከምዘይኮነ ገሊጹ’ሎ።

መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ
መድሃኔ ተስፋማርያም በርሀ

ብተመሳሳሊ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ጉዳይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ትነጥፍ ሜሮን እስቲፋኖስ ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ እንግሊዝ ዘካየደቶ ቃለ-ምልልስ እቲ ብፖሊስ ጣልያን ተታሒዙ ተባሂሉ ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ዝተዘርገሐ ምስልን ቪድዮን ምስረአየት ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ይድለይ ኣሎ ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ምስሊ ከምዘይመሳሰልን እቲ ዝተታሕዘ ሰብ ብጌጋ ምኳኑ ሓቢራ’ላ።

ንሳ ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ሱዳን ኤርትራዊያን ስደተኛታት ትገፍፍን ናብ ኤርትራ ትጥርዝ ከምዝቀነየት ገሊጻ’ላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG