ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዘይ-ሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ክነጥፍ ጸኒሑ ዝተባህለ ውልቀ-ሰብ ኣብ ሱዳን ተታሒዙ ፖሊስ ጣልያን ከምዝተረኸብዎ ተገሊጹ


ኣብ መርበብ ዘይ-ሕጋዊ ምስግጋር ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ላዕለዋይ ኢድ ኣለዎ ዝተባህለ ኤርትራዊ ጥርጡር ካብ ሱዳን ናብ ጣልያን ከምዝተረከበ ፖሊስ ጣልያን ሎሚ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ ጣልያን እዚ መድሃኔ ይህደጎ መርዕድ ዝተባህለ ወዲ 35 ዓመት ካብ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ብጉዳይ ዓለም-ለኸ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ክድለይ ዝጸንሐ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ኣብ ካርቱም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታውን ሶኑይ ድማ ናብ ጣልያን ምርኻቡን ገሊጾም።

ፖሊስ ብተወሳኺ መርዕድ ኣባል ሓደ ካብቲ ዝዓበየ መርበብ ዘይ-ሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ብመንገዲ ሊብያ ምድረ በዳ ሰሃራ’ዩ ተባሂሉ ይግመት።

ንሱ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝካየዱ ምስግጋር ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጣልያን ንዝርኸቡ መሳርሕቱ’ውን ብዛዕባ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀልባታት ኣብ ጣልያን ምብጻሕን፡ ስደተኛታት ክሳብ መጨረሻ መዓልቦኦም ሓበሬታ ኣብ ምትሕልላፍን ከምዝነጥፍ’ውን ፖሊስ ገሊጹ'ሎ።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሱዳን ንAFP ከምዝሓበሮ መርዕድ መንእሰያት ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ሱዳንን ብመንገዲ ሱዳን- ሊብያ ወይ ግብጺ ካብኡ ድማ ንማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ናብ ኣውሮጳ ከሰጋገር ምጽንሑ ይሕብር።

ካብ ዝተጠልፈ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ መርዕድ ምስ ካልኦት ኣብ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኔዘርላንድስን ስካንዲኒቫን ዝሰርሑ ዘይ-ሕጋዊያን ኣስገርቲ ምትእስሳር ከምዘለዎን፡ ኣብዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራት ዝንቀሳቀስ ዘይ-ሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ላዕለዋይ ኢድ ከምዘለዎ ይገልጹ።

ንሱ ብተወሳኺ ‘ ንሂወት ስደተኛታት ዘይግደስን ተጠራጣሪን ዘይእሙን መሲሉ ከምዝቀርብ’ ይግለጹ።

ናህሪ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ኣብ 2008 ዓ.ም ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣብ ዘይ-ሕጋዊ ምስግጋር ዝነጥፍ ውልቀ-ሰብ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃዊት ሃገር ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትውን ናብ ፍትሒ ኣብ ጣልያን ክቐርብን እዚ ናይ መጀመርያ’ዩ።

ብኻልእ ወገን፡ እዚ ተታሒዙ ዘሎ ሰብ፡ እቲ ደቂ-ሰባት ብምስግጋር ዝፍለጥ ሰብ ዘይኮነስ ካልእ ንጹሕ ሰብ`ዩ፡ ናይ ሽም ምምስሳል`ዩ ጌጋ ተፈጢሩ ዝብሉ፡ ሓፍቱን ብቐረባ ንፈልጦ ኢና ዝበሉን ሰባት ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለዉ፡ ኣብ ቀጻሊ ከም ኩነታቱ ኣመዛዚና ከቕርቦ ምዃኑ ቪኦኤ ይገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG