ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምስሕሓብ ኣሜሪካን እስራኤልን ቀጺሉ


ቀ/ሚ ቤንያሚን ኔታንያሁ
ቀ/ሚ ቤንያሚን ኔታንያሁ

ዓርቢ ዝሓለፈ ውሳነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብ14 ድጋፍን ብሓደ ተኣቅቦን ረኺቡ’ዩ ሓሊፉ። ኣሜሪካ በይና ተኣቅቦ መሪጻ።

ድሕሪ’ቲ ውሳነ ሪኢቶ ዝሃቡ ቀ/ሚ እስራኤል በንያሚን ኔታንያሁ፣ እስራኤል ናብ ኣስማቶም ዘይተጥቀሱ ትካላት ሕ/ሃ ትብጅቶ ንዝነበረ ኣስታት 8 ሚልዮን ዶላር ንክታሓዝ ኣዚዛ ኣለኹ ኢሎም።

ኣብ ሕ/ሃ ኣምባሳደር እስራኤል ዴኒይ ዴነን ብወገኖም፣ እቲ ዓርቢ ዝሓለፈ ውሳነ ኣንጻር እስራኤል ነቲ ዝተኮመረ ጸረ እስራኤል ውሳነታት ዘራጎደ’ዩ ኢሎም ገሊጾምዎ።

ቤንያሚን ኔታንያሁ ብወገኖም እስራኤል ነቲ ውሳነ ከምዘይተቅልበሉዎን ኣንጻሩን’ዮም ሪኢቶ ሂቦም።

‘ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ እስራኤል ምኳና ንዘረጋገጸ ነዊሕ ዝዘለቐ መትከል ኣሜሪካ ቀልቢሶም’ ኢሎም ንፕረዚደንት በራክ ኦባማ ወቂሶም ኔታንያሁ።

ፍልስጠማዊ ተላዛቢ ነበር ሳዒብ ኢረካት ብወገኖም እቲ ውሳነ ‘ፖሊሲ ነታንያሁ ኣብ እስራእልን ስግርን እስራኤልን ሰላምን ህድኣትን ከምዘየምጽእ ዝሓበረ ንጹርን ዘየዋቕዕን ውሳነ’ ክብሉ ገሊጾምዎ።

ሚስተር ኔታንያሁ ምስ ተመራጻይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተቀራሪቦም ከምዝስርሑ ዘለዎም እምነት ጠቂሶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG