ዋሽንግተን —
ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ: እስራኤል ኣብ ሓደ ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን የዕቍቦምብሉ ዝነበሩ ህንጻ ብዘካየደቶ ደብዳብ ከቢድ ብረት ብውሑዱ 60 ሰባት ቀቲላ። ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ነቲ ሚኒስትሪ ብምጥቃስ ከም ዝሕብሮ ፍርቂ ካብቶም ግዳያት ቆልዓ-ሰበይቲ’ዮም። ብዛዕባ’ዚ ሎሚ ሰሉስ ከም ዝተፈጸመ ዝተገልጸ መጥቃዕቲ ብወገን እስራኤል ዝተዋሃበ ግብረ-መልሲ ዛጊት የሎን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ካልእ ምዕባለታት ጉጅለ ሕዝቦላህ ድሕሪ ቅንጸላ መራሒ እቲ ውድብ ሓሰን ነስረላህ፡ ንሼኽ ናይም ካቀም ኣቦ-መንበር እቲ ውድብ ገይሩ መሪጹ። ነዚ ሓድሽ መዝነት፡ ብኣባላት ፈጻሚ ኮሚተ ዝተመርጸ ሼኽ ቃስም ሓደ ካብ መስረትቲ እቲ ውድብ ኰይኑ፡ ቅድሚ ቅንጸላ መራሒ ሓማስ ከም ምኽትል ዋና-ጸሓፊ ኰይኑ ክገልግል ዝጸንሐ’ዩ። ሸኽ ቓስም ኣንጻር እስራኤል ዝግበር ቃልሲ ብዝሓየለ ክቕጽሎ ምዃኑ ቃል ሂቡ ኣሎ።
ቅጥዒ