ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ዝተወሰነ መጠን ረድኤት ናብ ወሽመጥ ቓዛ ንኽኣቱ ተሰማሚዐ


እስራኤል ዝተወሰነ ሓገዝ ናብ ቓዛ ክኣቱ ተሰማሚዓ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:27 0:00

እስራኤል ዝተወሰነ ሓገዝ ናብ ቓዛ ክኣትው ተሰማሚዓ

ሰራዊት እስራኤል፣ ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ፍልስጤማዊያን ደብዳብ ኣብ ዘሐየለሉ እዋን መግለጺ ዝሃበ መንግስቲ እስራኤል፣ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ዝተወሰነ መጠን ረድኤት ንክኣቱ ከምዝተሰማመዐ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣፍሊጡ።

እስራኤል ካብ መንበሪኦም ንክወጹ ድሕሪ ዘቃለሐቶ መግለጺ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ፍልስጤማዊያን (እዚ ማለት ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ ቓዛ) ካብ ከባቢኦም ሃዲሞም ኣለው። ደብዳብ እስራኤል፣ ሎሚ ሓሙስ’ውን ኣብ መላእ ቓዛን ውሑስ ስፍራ እዩ ዝባሃለሉ ደቡባዊ ስፍራን ከይተረፈ ቀጺሉ ኣሎ።

ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ እስራኤል ዝሃቦ መግለጺ ድማ ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንት ድሕሪ ዘቕረብዎ ሕቶ፣ ካብ ግብጺ ዝተወሰነ መጠን ረድኤት እኽሊ ናብ ቓዛንክኣቱ ግብጺ ከምዝተሰማመዐት ተፈሊጡ ኣሎ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ቅድሚ 12 መዓልታት ዝተወለዐ ውግእ ቓዛ፣ ዛጊድ ንልዕሊ 1,400 እስራኤላዊያን፣ ን3,478 ፍልስጤማዊያን ክቀትል ከሎ፣ ልዕሊ 12,000 ፍልስጤማዊያንን በዝሖም ዘይተነጸረ እስራኤላዊያንን ኣቁሲሉ ኣሎ። 206 እስራኤላዊያን ብሓማዝ ተታሒዞም ከምዘለው’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና፣ ቀ/ሚ ብሪጣንያ ሪሽ ሱነክ ሃገሮም፣ ኣብ’ዚ ከቢድ እዋን ኣብ ጎኒ እስራኤል ከምዘላ ገሊጾም። ምስ ቀ/ሚ እስራኤል ኮይኖም መግለጺ ዝሃቡ ሱነክ ወሲኾም ‘ንእስራኤል ከቢድ ጊዜ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፣ ኣብ ጎንኹም ምዃነይ ዘኹርዕ እዩ’ ከምዝበሉ ኣሶሴትድ ፕረስ ጸብጺቡ ኣሎ።

ኣብ ብራስልስ መግለጺ ዘውጸአ ሕብረት ኣውሮጳ ድማ ዝተወሰነ መጠን ረድኤት ናብ ቓዛ ከምዝኣቱን ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ድልየት ንምምላእን ግና ተወሳኺ ዓለምለኻዊ ሓገዝ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቡ።ወሃቢ ቃል ሕብረት ኣውሮጳ እስራኤል፣ ነቲ ካብ ግብጺ ናብ ቓዛ ንዝኣቱ ቀረብ ማይ፣ መግቢን መድሓኒት ኣየተዓናቅፍን ምባላ ኣመስጊኑ ኣሎ ።

ካብ ማእከላይ ምብራቕ ከይወጻና፣ ሰለስተ ድሮናት ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ዞባ ሶርያ ዝርከብ መደብር ሰራዊት ኣሜሪካ ከምዝወቅዓን ውሱን ጉድኣት ከምዘውረዳን ዝመጸ ዜና ሓቢሩ። ካብ ሞንጎ’ተን ድሮናት እተን ክልተ ከምዝተወቕዓ’ውን ጉጅለ ተዓዛቢ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያ ገሊጹ ኣሎ። ብመሰረት’ቲ ትካል ‘እቲ ደብዳብ ድሮናት፣ ስራሕ’ቶም ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዝመዋፈሪኦም ተዋጋእቲ ክኾን ይኽእል’ዩ’።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG