ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ብመጥቃዕቲ ድሮን ሕዝቦላህ 4 ወታሃደራታ ምሟቶም ትገልጽ፡ ኣብ ቓዛ 4 ሰባት ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ሞይቶም


ኣል-ኣቅሳ ሆስፒታል ዘጋጠመ ባርዕ - ድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤል
ኣል-ኣቅሳ ሆስፒታል ዘጋጠመ ባርዕ - ድሕሪ መጥቃዕቲ እስራኤል

እስራኤል ሎሚ ሰኑይ ኣብ ቓዛ ደር-ኣል-ባላህ ከባቢ ሆስፒታል ኣል-ኣቁሳ ብዘካየደቶ ደብዳብ ነፈርቲ ብዉሑዱ 4-ሰባት ሞይቶም ካልኦት 40-ሰባት ከምዝቖሰሉ ሰበ-ስልጣን ጥዕና ፍልስጤማውያን ኣፍሊጦም።

ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ እቲ ደብዳባት ኣብ መሳለጥያታት’ቲ ሆስፒታልን ተመዛበልቲ ዝጥቀምሉ ቴንዳታትን ባርዕ ሓዊ ምልዓሉ ሓቢሩ።

ሰራዊት እስራኤል ግን ኣብ ውሽጢ ሲቪላውያን ንዝተሓብኡ ሚሊሽያታት ዒላማ ዝገብረ መጥቃዕቲ ምንባሩ ይገልጽ።

እዚ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመ ካልእ ተመዛበልቲ ፍልስጤማውያን ኣብ ዝጥቀምሉ ቤት-ትምህርቲ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብዉሑዱ 15 ሰባት ድሕሪ ምሟቶም'ዩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ፍልስጤማውያን “ካልእ ዘባህርር ለይቲ ኣብ ወሽመጥ ቃዛ” ክብል ሎሚ ሰኑይ ነቲ ኩነታት ገሊጽዎ’ሎ።እቲ ቤት-ትምህርቲ ሎሚ ሰኑይ ክታበት ፖልዮ ክወሃበሉ ተዳልዩ ምንባሩ’ዉን እቲ ትካል ገሊፁ’ሎ።

ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ሕብረት ኣውሮጳ ጆሴፍ ቦረል ሎሚ ሰኑይ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ሓያለ ዓቀብቲ-ሰላም ሕቡራት ሃገራት ምቁሳሎም ከቢድ ሻቅሎቶም ከምዝፈጠረሎም ብምግላፅ ከምዚ ዝበሉ መጥቃዕታት ኣብ ልዕሊ ዓቀብቲ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዓለም ከም ምጥሓስ ዓለምለኸ ሕጊ ክኸውን ከምዝኽእልን ተቀባልነት ከምዘይብሉን ክብሉ ገሊፆሞ።

ሚንስተር ምኽልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስተን’ዉን ነቲ ጉዳይ ምስ ሚኒስተር ምልክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት ብቴሌፎን ከምዝተዘራረብሉን እስራኤል ደሕንነት ሓይልታት ሕቡራት ሃገራት ንምርግጋፅ ኩሉ ስጉምታት ክትወስድን ኣድላይ ምዃኑ ኣርጊጾም ምዝራቦም ቤት-ጽሕፈት ምኽልኻል ኣመሪካ ፔንታጎን ገሊፁ።

ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ሚሊሽያታት ሕዝቦላህ ከም ዕርዲ ይጥቀምሎም’ለዉ ብምባል ሕቡራት ሃገራት ሓይልታቱ ካብቲ ጉድኣት ከጋጥም ዝኽእል ደቡባዊ ከባቢታት ሊባኖስ ንኸውፅእ ብሰንበት ፀዊዖም’ዮም።

ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሊባኖስ ዝዓረደ ሕዝቦላህ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ድሮን ኣርባዕተ ወታሃደራት ከምዝተቐትሉን ሸውዓተ ከኣ ከምዝቆሰሉን ገሊፁ’ሎ። ሚንስተር ምክልኻል ኣመሪካ ኣብቲ ምስ ናይ እስራኤል መዘነኦም ዝካየድዎ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ፅንዓት ይሃብኩም ኢሎም’ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG