ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እስራኤል ኣብ ቃዛ ተደጋጋሚ ደብዳብ ፈጺማ


ደብዳብ እስራኤል ኣብ ቃዛ
ደብዳብ እስራኤል ኣብ ቃዛ

ቀ/ሚ እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ሰራዊት እስራኤል ንዕጡቓት ሚልሻ ሓማስ ይዋግኡዎም ከምዘለው ድሕሪ ምግላጾም ሰራዊት እስራኤል ናብ ሎሚ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ ንዒላማታት ኣብ ቃዛ ከምዝደብደበ ተገሊጹ።

ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል እስራኤል ሪቸርድ ሄት "ሓማስ ብቐዳም ኣብ እስራኤል ድሕሪ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ 1500 ዕጡቓቱ ከምዝሞቱን ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ናብ እስራኤል ዝሰገረ ምልሻ ሓማስ ከምዘየለን" ሓቢሩ።

ዒላማ ተወንጨፍቲ እስራኤል ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ከባቢታት ኣብያተ ጽሕፈት ብርክት ዝበሉ ሚንስትራት ሓማስ ይርከብዎም።

ወሃቢ ቃል ሓማስ ብወገኑ "እስራኤል ብዘይመጠንቐቅታ ንሰላማዊያን ሰባት ቃዛ መጥቃዕቲ ምስ ትፍጽም፣ ሓማስ ካብ ሞንጎ’ቶም ዝጨወዮም 150 ሲቪላት ነቲ ሓደ ክንቀትሎ ኢና" ከምዝበለ እቲ ዜና ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ትማሊ ሰኑይ መግለጺ ዝሃበ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ ሒደት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓማስ ጥራሕ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ይፈልጡ ከምዝነበሩ ገሊጹ።

እቲ ኣሊ ባራክ ዝተባህለ ኣዛዚ ሓማስ "ቃዛ፣ ንውግእ ጥፍኣት እንተተቃሊዑ፣ ከም ኢራንን ምልሻታት ህዝቡላህን ዝበሉ ሓይልታት፣ ናብ’ቲ ውግእ ክጽምበሩ ይኽእሉ እዮም" ይብል።

ንሱ ምስ ኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ በይሩት ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ እዩ ነቲ ቃለ ምልልስ ኣካይዱ።

ቀዳም ዝተፈጸመ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፣ ንዝፍራሕ ሰራዊት እስራኤልን ናይ’ታ ሃገር ኣገልግሎት ስለያን ስዉር ኮይኑ እዩ ተፈጺሙ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዕጡቓት ሓማስ፣ ብጎዳጉዲ ሓጹር ዶባት ሰሊኾም ናብ ብርክት ዝበላ ከተማታት እስራኤል ብምእታው፣ ንኣማኢት ወትሃደራትን ሲቪላትን እስራኤል ቀቲሎም፣ ንብርክት ዝበሉ ድማ ማሪኾም እዮም።

ኣብ ቤይሩት ኮይኑ መግለጺ ዝሃበ ኣዛዚ ሓማስ እቲ ስርሒት፣ በቶም ኣብ ቃዛ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ሓማስ ከምዝተወጠነን፣ ናይ ቀረባ መሻርኽቲ’ውን እንተኾኑ፣ ብዛዕባ’ቲ ስርሒት ሓበሬታ ከምዘይነበሮምን ጠቂሱ።

እስራኤል ብወገና፣ ምሉእ ኲናት ኣዊጃ ኣላ። ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ንሓማስ ክንቀጽዖ ኢና ዝበለት እስራኤል፣ 300 ሽሕ ዕቁር ሓይሊ ናብ ሰራዊት ክሕወስ ጸዊዓ አላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG