ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ሶማል ፋይናንሳዊት ማእከል ግብረ-ሽበራ ትኸውን ኣላ፡” ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ


ስእሊ ፋይል
ስእሊ ፋይል

ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ዝተሰምየ ንጉዳይ ጸጥታ ዝከታተል ትካል፡ ኣብ ወፍሪ ግብረ-ሽበራ፡ ሶማል ቀንዲ ምንጪ ፋይናንሳዊ ማእከል ትኸውን ኣላ ዝብል ጸብጻብ ኣውጺኡ። ናይ ጨንፈር ሶማል መራሒ ዳዕሽ ናይ ምሉእ እቲ እስላማዊ ምምሕዳር ሓላፊ ክኸውን ተኽእሎ ከም ዘለዎ’ውን እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።

ምስ ናይ ሶማል ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣብ ምትፍናን ዝርከብ ርፓብሊክ እስላማዊ ምምሕዳር (ዳዕሽ) ከምቲ ኣብ ካልእ ቦታታት ዝግበሮ መጥቃዕቲ ስሙ ግኑን ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። እንተዀነ ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ ዝተባህለ ኣብ ጸጥታን ደሞክራሲያዊ ምሕዳራን ኣመልኪቱ ዘጽንዕ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ናይ ሶማል ጨንፈር ምስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ መርበባት ርክብ የትርር ከም ዘሎ ጸብጺቡ። እቲ ጸብጻብ፡ ዳዕሽ ጨንፈር ሶማል ኣብ ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ግብረ-ሸበራዊ መጥቃዕቲ ንምግባር ገንዘብ ከም ዘዋፍር ይጠቅስ። ዑመር መሓሙድ ኣብቲ ትካል ኣብ ጉዳይ ሶማል ኣመልኪቱ ዘጽንዕ “ኣልሸባብ እቲ ዝዓበየ ስግኣት’ዩ። እንተዀነ ዳዕሽ ጨንፈር ሶማል’ውን ኣንጻር ኩሉ መሰናኽላት ህልወናኡ ዘቕጸለ ጨንፈር’ዩ። ሕጂ ከኣ ኣካል’ቲ ዝዓበየ መርበብ ዳዕሽ ኰይኑ ንኣገዳስነቱ ዘዕበየሉ መንገዲ የናዲ ኣሎ። ንሱ ድማ ፋይናንሳዊ ማእከል ንምዃን ንገለ ካብ ስርሒታት ምምዋል’ዩ።”

ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ፡ ዳዕሽ ኣፍሪቃ ኣብ 2020 ናይ ቅርጺ ምትዕርራይ ከም ዝገበረ’ዩ ዘመልክት። በቲ ሓድሽ ቅርጺ ኣብ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎን ሞዛምቢክን ዝርከቡ ጨናፍሩ ተጸዋዕነቶም ናብ ኣብ ፑንትላንድ ዝመደበሩ ዳዕሽ ሶማል’ዩ።

ዳዕሽ ሶማል፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝንጥፉ፡ ካብ 100 ክሳብ 400 ዝበጽሑ ተቓለስቲ ከም ዘለዎ እቲ ጉጅለ ይግምት። ፍርቂ ካብኣቶም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ምዃኖም ይግመት። ኣብ ፈለማ እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ሰብ-መዚ ፑንቲላንድ ንሽዱሽተ ካብ ኣባላት እቲ ጉጅለ ሒዙ ነይሩ። ንሳቶም ዜጋታት ሞሮኮ ኰይኖም ኣብ እዋኑ ናብ ዓዶም ከም ዝጥረዙ ተገይሩ።

ንምንቅስቓስ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝከታተል ሓደ ኣሃዱ መጽናዕቲ ከም ዝጠቕሶ፡ ካብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት ጀሚሮም ዳዕሽ ሶማል ብዙሕ ምንቅስቓስ የርእዩ ኣለዉ። ኣንጻር ጸጥታ እታ ሃገር መጥቃዕቲ ክፍጽሙን ኣብ ወደብ ቦሳሶ ንብረትን ካልእ ንዋት ክምንጥሉን ድማ ብተደጋጋሚ ከም ዝተንቀስቐሱ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ንጸረ-ግብረሸበራዊ መጥቃዕታት ዘጽንዕ ኬንያዊ ሪቻርድ ቱታ፡ ኣብ ሶማል ሓያል መንግስቲን እኹል ቍጽጽርን ስለ ዘየሎ፡ ዳዕሽ ሶማል ፋይናንሳዊ ማእከል እቲ ጉጅለ ክትከውን ርሒብ ተኽእሎ ከም ዘሎ’ዩ ዝምጉት።

"ሶማል ሓያል ትካላትን መቆጻጸሪ ኣገባብን ስለ ዘይብላ፡ ንስልኳን ካልእ ተግባራትን ቅልዕቲ ይገብራ። ሕጋዊን ዘይሕጋዊን ኣገባብ ተጠቒሞም ንግብረ-ሽበራ ዝውዕል ገንዘብ ከዋህልሉ ከኣ ቀሊል ይኸውን። እታ ሃገር ምስ ባሕሪ ዘዳውብ ሰፊሕ ዶባት ስለ ዘለዋ ድማ ንምቍጽጻሩ ኣጸጋሚ ይኸውን።”

ኣብ ወርሒ ግንቦት መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መራሒ ዳዕሽ ሶማል ዓብዱልቃድር ሙኒን ናይ ቅንጸላ ፈተነ ኣካዪዱ ነይሩ። እንተዀነ ካብቲ ፈተነ ቅንጸላ ድሒኑ’ዩ። ንሱ ናይ ዓለማዊ ዳዕሽ ሓላፊ ምስ ዝኸውን፡ ናይ ሶማል ጨንፈር ጽልዋኡ ክዓቢ ከም ዝኽእል’ዮም ተንተንቲ ይግምቱ። ዛጊት ነቲ መዝነት ተቐቢሉዎ እንተዀይኑ ንጹር ሓበሬታ የሎን፡ እንተዀነ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ግን ይግመት።

ሰብ-መዚ ፑንትላንድ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ንልዕሊ 10 ኣባላት ጉጅለ ዳዕሽ ኣሲሮም’ዮም። ገለ ንዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ ክፍረዱ እንከለዉ፡ ካልኦት’ውን ብሞት ተቐጺዖም። ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ምስ ምምሕዳር ፑንትላንድ ተሓባቢሩን ምናልባት’ውን ናይ ደገ ሓገዝ ጠሊቡን ነቲ ኣንጻር ዳዕሽ ዝግበር ቃልሲ ክገጥሞ ድማ ኢንተርናሽናል ክርስይስ ግሩፕ ተላብዩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG