ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳዕሽ አብ ውሽጢ ሶርያ ኮይና ትሰርሕ ዝነበረት ጋዜጠኛ ቀቲሉ


ረቕያ ሓሰብ
ረቕያ ሓሰብ

ዳዕሽ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብቲ ንሱ ዝቆጻጸሮ ከባቢ ትጽብጽብ ንዝነበረት ንጓል ኣንስተይቲ ጋዜጠኛ ከምዝረሸነ ሶሪያዊያን ተሓለቕቲ ገሊጾም።

ጓል 30 ዓመት ሩቕያ ሓሰን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዳዕሽ ኣብ ትርከብ ራቃ ሶሪያ ዝተባህለ ቦታ ብዛዕባ መዓልታዊ ናብራ ትጽሕፍ ነይራ።ኒሳን ኢብራሂም ብዝብል ናይ ብርዒ ስም’ውን ኣብ ፌስቡክን ማህበራዊ መራኸቢ ብዙሃን መልእኽቲ ተውጽእ ምንባራ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

እታ ጋዜጠኛ ዝተቐትለትሉ ዕለት ብትክክል’ዃ እንተዘይፈተፈልጠ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ተውጽኦ ዝነበረት ጽሑፍ ግን ካብ ሓምለ 2015 ዓ.ም.ፈ ብሃንደበት ደው ኢሉ።

ጋዜጠኛ ረቕያ ምሟታ ዘረጋገጸ ኣብ ሶሪያ ዝፍጸሙ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዘቃልዕ RBSS ዝተባሃለ ጉጅለ እዩ።

ብመሰረት መስራቲ RBSS ኣቡ መሓመድ ናይ ሩቂያ ናይ መወዳእታ ናይ ቲዊተር መልእኽቲ ከም ዝስዕብ ዝብል ነይሩ።

’’ኣብ ውሽጢ ራቃ ኣለኹ፤ናይ ሞት መጠንቅቕታ በጺሑኒ’ሎ።ዳዕሽ እንተኣሲሩንን ወይ እንተቐቲሉንን ደሓን።ርእሰይ ክቖርጽዎ እዮም፤ብክብሪ እየ ዝሓልፍ ዘለኹ።ኣብ ትሕቲ ዳዕሽ እናተዋረድኹ ካብ ዝነብር ምሟት ይመርጽ’’ ይብል።

ሩቂያ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣሌፖ ብፍልስፍና ተመሪቓ ኣብ ሶርያ ምንቅስቓስ ለውጢ ምስጀመረ ኣንጻር ፕሬዝዳንት ባሻር ኣል-ኣሳድ ይቃለሱ ምስ ዘለው ተቓወምቲ ተሰሊፋ ከም ነጻ ሪፖርተር ኮይና ትሰርሕ ምንባራ ይፍለጥ።

ዳዕሽ ነታ ከተማ ክቆጻጸራ ከሎ ካብቲ ቦታ ኣይወጽእን ክትብል ኣብታ ከተማ ብዛዕባ ዝፍጸሙ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ምጽብብጻብ ጀሚራ።

XS
SM
MD
LG