ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዘይዕረፍቲ ንልዕሊ 24 መዓልታት ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ንሰርሕ ነይርና ይብሉ ካብ ኤርትራ ዝተመልሱ ኢትዮጵያዊያን

  • ገብረ ገብረመድህን

ገለ ካብ ኢትዮጵያ ዝተመለሱ/ብውቂያኖስ ጉዕሽ/

ኣብ ምእራይ ወርቂ ከለው ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ 32 ኢትዮጵያዊያን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ብዘይ ዕረፍቲ ንልዕሊ 24 መዓልታት ኣብ ናይ ሕርሻ መስኖ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ይሰርሑ ከምዝነበሩ ካብቲ መጭወይቲ ዝተመለሱ ኢትዮጵያዊያን ገሊፆም።

መንእሰይ ሃፍታይ ገብረን መንእሰይ ኣብርሃለ ፍትዊን ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃለ-ምልልስ ብዕለት 27 ጥሪ 2008 ዓ/ም ሰዓት 12 ንግሆ ወታደራዊ ክዳን ዝተኸድኑን መብዛሕቲኦም ኣምሓርኛ ዝዛረቡን ዕጡቓት ቶኽሲ ከፊቶም ብበትሪ እናወቕዑ ን32 ሰባት ናብ ኤርትራ ከምዘስገሩዎም ገሊፆም።ዝተጨውይሉ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ፣ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ፍሉይ ሽሙ ፅርጋ ግርማይ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ እዩ።

ኣብ ጥቓ ከተማ ተሰነይ ኣብ ዝርከብ ዓብዪ ዝበልዎ መስኖ ክሳብ 19 ለካቲት 2008 ዓ.ም ከስርሑ ከምዝፀንሑን ናብ ታዕሊሞ ክወስዱዎም ይንገሩዎም ከምዝነበሩን ብምግላፅ ኣብ መወዳእታ ግን ንሳቶም ብዘይፈልጡዎ ብመኪና ኣሳፊሮም ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ናብ እትርከብ ከተማ ሓምዳይት ምስ ኣፀግዕዎም ላዕለዋይ ኣመራርሓ ‘ኣርበኞች ግንቦት ሸውዓተን’ ሻምበል ዳዊት ዝተብሃለ ኤርትራዊ ወታደራዊ መኮነንን ናብ ዓድኹም ትምለሱ ኢኹም ከምዝበሉዎም ክልቲኦም መናእሰይ ይዛረቡ።

ብፍላይ እቲ ኤርትራዊ ወታደራዊ መኮነን ‘መንግስቲ ኤርትራ ብከምዚ ተዓፊንኩም ምምፃእኹ ኣይፈለጠን፣ምስ ፈለጠ ግን ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ወሲኑ’ኢሉ ከምዝተዛረቦም ገሊፆም።

እዚ ዜና እዚ ብዕለት 10 ለካቲት 2008 ዓ/ም ምስ ዘመሓላለፍናዮ ናይ 85 ኢትዮጵያዊን ምዕፋን ኣይመሳሰልን።

መጭወይቲ ተኻይድዎ ዝተብሃለ ቦታ ሓደ እንተኾነ እውን እቲ ዕለት፣ዝተጨውይሉ ስዓት፣ብዝሒ ዝተጨውዩ ኢትዮጵያዊያን፣መንነት እቶም ጨወይቲ፣ኣብ እዋን እቲ መጭወይቲ ኣጋጢሙ ብዛዕባ ዝተብሃለ ናይ ሰባት ሞት ኣይመሳሰልን።ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰለጠን።ካብ መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ኤርትራ ካብ ዝንቀሳቐስ ‘ኣርበኞች ግንቦት 7’ን ርእይቶ ንምርካብ ፈቲና እውን ኣይቀንዐናን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG