ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጭቆና ዝፈጥሮ ፍርሒ ናጽነት


ጭቆና ዝፈጥሮ ፍርሒ ናጽነት
please wait

No media source currently available

0:00 0:53:04 0:00

ጭቆና ዝፈጥሮ ፍርሒ ናጽነት

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ በበይኑ ፈስቲቫላትን ምትእኽኻብ ኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራውያንን ጎነጽ ክርአ ጸኒሑን ኣሎን። ቅድሚ ሕጂ ብዝተፈላለየ መልክዑ ከም ዘቤታዊ ዓመጽን ነፍሰ-ቅትለትን’ውን ብሕልፊ ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ተደጋጋሚ ከጋጥም ዝጸንሐ ክስተት ምዃኖም ዝተፈላለዩ መወከሲታት የርድኡ። ብዛዕባ’ዚ ኣሻቓሊ ተርእዮ ሓሳባቱ ከካፍለና ንክኢላ ስነ-ልቦናን ጥዕና ኣእምሮን ዶክተር ያቆብ ተኪአ ኣዘራሪብና ኣሎና። ካብ ኤርትራ ኣትሒዙ፡ ዶክተር ያቆብ ኣብዚ ዓውዲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዘስርሐ ኰይኑ፡ ሕጂ ኣብ ዩኒቨርስቲ ፐንሲልቫንያ ኣብ ክፍሊ ስነ-ልቦና ኣብ ማእከል ጥዕና ኣእምሮ ተመሃሮ ይሰርሕ ኣሎ። ዶክተር ያቆብ ብተወሳኺ’ውን ምስቲ ዩኒቨርስቲ ብምትሕብባር “ተስፋ ሃውስ” ዝሰመዮ ማእከል፡ ብቐንዱ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣተኲሩ ዝሰርሕ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክሊኒክ ከፊቱ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG