ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስደት ፈቲና ዝተመልሰት ዳያን ዲንቃ፡ ብድርሰት መጻሕፍታ ኣቢላ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ንምቕያር ትሰርሕ


ዳያን ዲንቃ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብዲግሪ እንተተመረቐት`ውን ዝወሰደቶ ምርጫ ስደት`ዩ ኔሩ። ኣብ ዓዲ-ዓረብ ኮይና ክትርእዮ ኸላ ግን፡ ናብራ ስደትን፡ ኣብ ዓዲ ዘሎ ፖሊቲካዊ ሕጽረታትን ብምንጽብራቕ ብዓቕማ ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብ ንምቕያር መጻሕፍቲ ጽሒፋ።

`ናብ ስደት ዝጥምት ዝተማህረ ሓይሊ ስለምንታይ ይበዝሕ ኣሎ` ዝብል ጉዳይ ዘተሓሳስባ ዳያን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ንዝተማህረ ሓይሊ ዝኸውን ባይታ ክፍጠር፡ እቲ ሕብረተሰብ ድማ ካብ ሃገር ንምውጻእ ዝገብሮ ምትብባዕ ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ትምሕጸን።

ዳያን ሕጂ ናብ ዓዳ ተመሊሳ ናብራኣ ክትመርሕ ፋሕተርተር ትብል ኣላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ዳያን ዲንቃ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG