ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ዳርፉር ዝተረኽበ ናይ ጅምላ መቓብር ዝምልከት መርመራ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ


ዓቃብ ሕጊ ካሪም ካሃን
ዓቃብ ሕጊ ካሪም ካሃን

ዋና ዓቃቢ ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ቤት ፅሕፈቱ ኣብ ሱዳን ምዕራባዊ ግዝኣት ዳርፉር ብውሑዱ 86 ዝኾኑ ሬሳታት ኣብ ጅምላዊ መቓብር ምርካቦም ዝሓበረ ፀብፃብ ይምርምር ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ዓቃቢ ሕጊ ካሪም ካን ንባይቶ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ኣብ ዳርፉር ዝተፈፀሙ ገበናት ናይ ምፅራይ ቀፃሊ ሓላፍነት ከምዘለዎን ካብ 15 ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይሊታት ህፁፅ ወሃብቲ ድጋፍ ውግእ ካብ ዝለዓል ንደሓር ኣብ ዝተፈፀሙ ገበናት ጠመተ ምግባሩ ገሊፁ።

ካሪም ካን ወሲኹ “ብተደጋጋሚ ዝግለፅ ፈፂሙ ድሕሪ ሕጂ ዝብል ሓረግ ትርጉም ክህብ ዝድለ እንተድኣ ኾይኑ ነቶም ናብ 20 ዓመታት ዝፅጋእ እዋን ኣብ ስቓይ፣ በሰላን ስግኣትን ዝነብሩ ዘለዉ ህዝቢ ዳርፉር ትርጉም ክህልዋ ይግባእ” ኢሉ።

ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ዳርፉር እትርከብ ከተማ ጀኒና ኣንፃር ሰላማውያን ሰባት ብዙሓት መጥቃዕትታት ምፍፃሞም ዝገልፁ ፀብፃባት ክቐርብ ፀኒሑ እዩ።

ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኽበ ጅምላዊ መቓብር ብሓይሊታት ህፁፅ ሓገዝ ወሃቢን መሻርኽቶም ሚሊሻንን ተሓተቲ ምዃኖም ዘረጋግፅ እሙን መርተዖ ከምዘለዎ ሕቡራት ሃገራት ይገልፅ።

ዓቃቢ ሕጊ ካሪም “ክንዮ መፅበዓታት ንኸይድ ከምዘለና መርኣያ ዝኸውን ተግባር ከነርኢ ይግባእ። እዚ ድማ ብኣድማዕነት እነቅርቦ መረዳእታ ጥራሕ ዘይኮነስ ዳያኑ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን እውን ነቲ ዝቐረበ መረዳእታ ብዝግባእ መርሚሮም ውሳነ ክህቡ ይግባእ” ኢሎም።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ፳፩፱ ካብ ስልጣን ዝተኣልዩ ፕረዝዳንት ሱዳን ዝነበሩ ዑመር ኣልበሽን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ውልቀሰባት በቲ ቤት ፍርዲ ምኽሳሱ ዥከር እዩ። ዒጭጭ ንኣልበሽር ብምፅናት ዓሌትን ገበናት ኲናትን ሓዊሱ ክልተ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዛት ኣውፂኡሎም እኳ እንተነበረ ስጋብ እዚ እዋን ግን ኣይሓዞምን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG