ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ፡ ኣብ ዳርፉር 86 ሬሳታት ኣብ ጃምላዊ መቓብር ከምዝተረኽበ ይሕብር


ፋይል- ኣንጀኒና ዳርፉር ሱዳን
ፋይል- ኣንጀኒና ዳርፉር ሱዳን

ኣብ ሱዳን ክፍለ ግዝኣት ምዕራብ ዳርፉር ሳ 86 ሰባት ኣብ ሓደ ጅምላዊ መቃብር ከምዝተረኸበ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሓሙስ 13 ሓምለ 2023 ኣፍሊጡ።

ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እቶም ዝሞቱ ኣባላት ነገድ ማሳሊት ከምዝርከብዎምን እቲ ሬሳታት ካብ ከተማ ጀኒና ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ከምዝተረኽበ ኣፍሊጡ’ሎ።

ነበርቲ’ቲ ከባቢ ሰነ 20ን 21 ነቲ ሬሳታት ክቀብርዎ ከም ዝተገደዱ’ዉን ወሲኾም ገሊጾም።

ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ፍጻመ ሓይልታት ህጹጽ ወሃቢ ደገፍ ተሓታቲ ምዃኖም እሙን መረጋገፂ ኣሎ ኢሉ።

ነፃን ቅልጡፉን ዝተማለአን ምርመራ ክግበር’ውን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራር ቮልከር ቱርክ ፀዊዖም።

ንሶም ኣስዒቦም ነቲ ቅትለት ኣትሪሮም ብምዅናን ኣብ ልዕሊ’ቶም ዝሞቱንን ስድረኦምን ዝተገብረ ኣተሓሕዛ’ዉን ኣዝዮ ከምዘሰንበዶም ገሊፆም’ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG