ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዕል ቶኽሲ ጠጠው ምባል ዝቆፃፀር ልኡኽ ናብ ደቡብ ሱዳን እልእኽ ኣለኹ ኢሉ ኢጋድ


Ambassador Seyoum Mesfin
Ambassador Seyoum Mesfin
ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ናይ ልምዓት በይነ መንግስታት /ኢጋድ/ ኣብ መንጎ ሓይልታት ዓመፅትን መንግስትን ዝተፈረመ ነቀይ ነቀይ ይብል ዘሎ ውዕል ቶኽሲ ጠጠው ምባል ንምክትታል ልኡኻቱ ናብ ደቡብ ስዳን ይልእኽ ኣሎ።

ኢጋድ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ምክትታል ንክጅምር ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣዚዙ’ሎ።

ንዝርርብ ዕርቂ ደቡብ ሱዳን ይመርሕዎ ዘለው ኣቶ ስዩም መስፍን ነቲ ውሳነ ሎማዕንቲ ዓርቢ ዕላዊ ገይሮም ኣለው።

እቲ ቶቖፃፃሪ ኣካል ነቲ ቶኽሲ ጠጠው ናይ ምባል ውዕል ዝከታተል ሓደ ዓብዪ ጉጅለ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ብመሰረት ፀብፃብ ኣገልግሎ ዜና ሮይተርስ እቲ ተቖፃፃሪ ጉጅለ ከቢድ ውግእ ኣብ ዝተኻየደለን ኣርባዕተ ከተማታት ቦር፣ቤንቱ፣ማላካልን ዋና ከተማ ጁባን ከተኩር እዩ።

ኣብ ናይ ደቡብ ሱዳን ቅልውላው ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ይኹን ናይ ካልኦት ምዕራባዊያን ሃገራት ፖለቲካዊ ወይ ወታደራዊ ሓገዝ ናይ ምሕታት ትልሚ የብልናን ኢሉ’ሎ ሕብረት ኣፍሪካ።
ምኽትል ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ኢራስቱስ ዌንቻ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ቅልውላው ደቡብ ሱዳን ንምፍታሕ ኩሎም ኣገደስቲ ስጉምትታት ወስደን ኣለዋ ኢሎም።
XS
SM
MD
LG