ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ስርዓት ሰብኣዊ መሰላት ዓለም መጥቓዕቲ ይፍጸም ኣሎ” ላዕለዋይ ኮሚሽነር ትካል ሰብኣዊ መሰላት


ላዕለዋይ ኮሚሽነር ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዘይድ ራኢድ ኣል-ሑሴን (ፋይል)
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዘይድ ራኢድ ኣል-ሑሴን (ፋይል)

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ መሰላት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ዘይድ ራኢድ ኣል-ሑሴን ኣብ ስርዓት ሰብኣዊ መሰላት መጥቓዕቲ ይፍፀም’ሎ ክብሉ ኣጠንቂቖም።

ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ዝምልከት ዓመታዊ ፀብፃብ ንናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኣቕሪቡ’ሎ።ኮሚሽነር ዘይድ ራኢድ ኣል-ሑሴን ንሰብኣዊ መሰላት ልዕሊ 40 ሃገራት ብምዝርዛር ኣርባዕተ ሃገራት ጋምቢያ፤ኡዝቤኪሳትን፣ቱኒዚያን ግሪክን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ገሊጾም።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ህውከትን ዕንወትን ከምዘተሓሳስብ ብምግላፅ ተዋጋእቲ ወገናት ብምቕታል፣ብፆታዊ ዓመፅን ብሰባት ምስዋርን ሓዊሱ ኣብ ገበናት ኲናት ተፀሚዶም ኣለው ክብሉ ኸሲሶም።

ዴሞክራሲያዊ ሃዋህው ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዝጠፍአላ ኣብ ብሩንዲ ዘሎ ኩነታት እውን ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም።

ኣብ ቱርኪ ንዝተተኮሱ ቦምብታትን ኣብ ልዕሊ ስቪላት ዝተፈፀሙ መጥቓዕትታትን ግብረ ሽበራ’ውን ኮኒኖም ኣለው።ድሕሪ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ቱርኪ ብህፁፅ ኣዋጅ ግዜ ንኣሽሓት ሰባት ካብ ስራሕ ምብራር ከምኡ እውን ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመርፁ ሰባት፣ዳያኑ፣ጋዜጠኛታትን ከይተረፈ ምእሳሮም ዘተሓሳስብ እዩ ኢሎም።

ናይ ብርክት ዝበላ ሓያላት ሃገራት ዓለም ዝበሃላ’ውን ጌጋታት ዝጠቐሱ ክኾኑ ከለው ቻይና ንናይ ካልኦት መሰላት ንዝሕለቑ ሰብሞያ ሕግን ተቓውሞ ዘስምዑን ምእሳራ ነቒፎም ኣለው።ሩሲያ ንፓለቲካዊ ተቓውሞ፣ሓሳባት ብነፃነት ናይ ምግላፅን ናይ እምነት ነፃነትን ትዕፍን ኣላ ኢሎም።

ኣብ ኣሜሪካ እውን ፕረዝደንት ትራምፕ ንዝተወሰኑ ጉጅለታት ፈሊዮም ምፅላሞም ሻቐለቶም ገሊፆም ኣለው።ናይዚ ጸለመ ግዳያት ንኣብነት ሜክሲካዊያንን ኣመንቲ ምስልምናን እዮም ክብሉ።ውን ጠቒሶም።ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ንስደተኛታት ብጃምላ ምብራርን ምጥራዝን ተግባር ንዓለምለኸ ሕጊ ክጥሕስ ይኽእል እዩ ክብሉ እውን ኣጠንቂቖም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG