ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያ 32 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፖሊስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ ‘’ዕጡቓት ደባይ ተዋጋእቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኦነግ ሸኔ’’ ትማሊሰንበት ብዝፈፀሙዎ መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቓዕቲ 23ደቂ ተባዕቲኦን 9 ደቂ ኣንስትዮን ዝርከቡዎም 32 ንፁሃን ሰባት ከምዝትቐትሉ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ጉሊሶ ጋዋ ጋንቃ ተባሂሉ ኣብዝፅዋዕ ጣቢያ ደባይ ተዋጋእቲ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንንፁሃን ዜጋታት ምቕታሎም ካብ ዝመስከሩ ወላዲ ኣቡኦም ከምዝተቐተሉዎም ዝገለፁ ኣቶ ውድነህ በላይ ዝተባሃሉ ነባሪ‘’ኣብ ጊሊሶ ወረዳ ጋዋ ጋንቃ 35 ሬስታት ተቖፂሩ ኣሎ።ዝጠፍኡ ኣውን ኣለው።ውሒጅ ዝወሰዶምን ዝቖሰሉን እውን ኣለው።ብህይወት ተሪፎም ፎቖዶ በረኻ ዝተሓብኡ እውን ሎሚ ሓይሊ በፂሑሎም ናብ መዕቖቢን ናብ ከተማን እናወሰዱዎም እዮም’’ ኢሎም።

ሓይልታት ምክልኻል ካብቲ ከባቢ ምስወፁ ኣትዮም ናይ ኣምሓራ ዘርኢ ክነጥፍእ ኢና ኢሎም ገንዘብን ስልክን መንጢሎም ገዛ ምቅፃል ጀሚሮም።ኣኼባ ኢሎም ኣብ ሓደ ቦታ ኣኪቦም ቦምብ ብምድራባት ብመትረይስ ወዲኦምዎ፤ከምዚ ዝገበሩ፣ዘሪኢ ተኮር መጥቓዕቲ ዝፈፀሙ ኦነግ እዮም ኢሎም ብምውሳኽ።

እቲ መጥቓዕቲ ክፍፀም ከሎ ሓይልታት መንግስቲ ኣብቲ ቦታ ከምዘይነበሩ እውን ኣቶ ውድነህ ሓቢሮም።

ነቲ ከባቢ ይሕሊ ዝነበረ ሓይሊ ምክልኻል እቲ መጥቓዕቲ ቅድሚ ምፍፃሙ ሓደ ማዕልቲ ካብ ገዋ ጋንቃ ለቒቑ ከምዝትወፀን ገዲፉዎም ከይወፅእ ከምዝሓተቱን ኣቶ ውድነህ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣቶ ኣየለ ንጉስ ዝተብሃሉ ካሊእ ናይ ዓይኒ ምስክር ትማሊድሕሪ ስዓት ብዝተፈፀመ መንነት መስረት ዝገበረ መጥቓዕቲ ብርክት ዝበለ ህይወት ንፁሃን ሰባት ከምዝጠፍአ ገሊፆም።

ኣብቲ ከባቢ ጭፍጨፋ እዩ ተፈፂሙ ዝበሉ ንሶም ‘’ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ ሰባት ወሲዶም ብቦምብን መትረየስን እዮም ጨፍጪፎዎ’’ ኢሎም።

ኣብ ጋዋ ጋንቃ ዝነብሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ኣብ 1977 ዓ\ም ብመንግስቲ ዝሰፈሩ ምዃኖም ዝገለፁ እዞም መሰኻኽር ዓይኒ ምስ ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ኣብ ደስታ ይኹን ሓዘን ብሰላም ሓቢሮም ይነብሩ ከምዝነበሩይገልፁ።’’ሕዚ ንብረትና ራሕሪሕና ምስ ወፃእና ዘዕቖቡና እውን ኣብ ጎረቤት ወረዳ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኦሮሞ እዮም’’ ኢሎም ኣቶ ውድነህ።

ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣብ ኢትዮጵያ ይፍፀም ብዘሎ መንነት መሰረት ዝገበረመጥቓዕቲ ምሕዛኖም ገሊፆም።ንሶም ተሓተቲ ዝበሉዎም ሓይልታት ፀላእቲ ኢትዮጵያ እዮም።

እዞም ሓይልታት ኢትዮጵያ ወይ ንሕና ንገዝእ ኢና ወይ ሃገር ኣይትህሉን ክብሉ ተላዒሎም ኣለው፤ነዚ ናይ ጥፍኣት ዓቕሞም ኩሉ ይጥቀሙ ኣለው ኢሎም።

መንግስቲ ኩሎም ዓይነታት መማረፂታት ተጠቒሙ ነቲ ኣበር ክነቕሎ እዩ ኢሎም።

ነቲ መጥቓዕቲ ብዝምልከት ካብቲ ወረዳ ይኹን ካብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ከምኡ እውን ካብ ክልል ኦሮሚያ መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ናይ ኦሮሚያ ፕሬዝዳንት ሽመልስ ኣብዲሳ ‘'ኦነግ ሸኔ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ ጣቢያ ገዋ ጋንቃ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ናይ ሽብር መጥቓዕቲ ብምፍፃም ንህይወት ሰባት ብምጥፋእ ኣካል ኣጉዲሉ’’ ምባሎም ማሕበራዊ ገፅ ጉዳያት ኮምኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ገሊፁ።ንዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ከምዝኾነኑ ዝገለፁ ኣቶ ሽመልስ ብጭካነ ኣብ ሓደ ቦታ ተቐቲሎም ክብሉ ህይወቶም ንዝስኣኑ ሓዘኖም ገሊፆም።እቲ መግለፂ ክንደይ ሰባት ከምዝትቐተሉ ኣይሓበረን።ኣብ ልዕሊ ኦነግ ሸኔ ስጉምቲ ከምዝውሰድ እውን ሓቢሮም።

‘’ናይ ኦነግ ሸኔ ሽፍታ ምስ ህወሓት ብምሽራኽ ኣብ ክልል ኦሮሚያን ኣብታ ሃገርን ሰላምን ምርግጋን ከይህሊ ክሰርሑ ፀኒሖም’'ይብል እቲ መግለፂ።

ናይ ጉሊሶ መጥቓዕቲ ኣይፈፀምናን ዝበለ ናይቶም ደባይ ተዋጋእቲ ናይ ዞባ ምዕራብ ኣቐባሊ ቃል ብሊሱማ ጉታ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት መጥቓዕቲ ኣይንፍፅምን ክብል ነቲ ኽሲ ነፂጉዎ።

‘’ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞ ንናይ ህዝቢ ሰላም ዝቃለስ እምበር ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑ ዜጋታት መጥቓዕቲ ዝፍፀም ሰራዊት ኣይኮነን።ብመንግስቲ ዝቐርብ ጠቐነ እዩ።ገይሩዎ ኣይፈልጥን ኣይገብሮን እውን።መንግስቲ ንስራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ንምፃል ሰባት እናዋፈረ ከምዚ ዝበለ ጭፍጨፋ ይፍፅም እዩ’’ ክብል መሊሱ።

መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝፅውኦም ዕጡቓት ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብዝተፈጥረ ለውጢ ብሰላም ንምቅላስ ናብ ውሽጢ ሃገር ካብዝኣተወ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተፈሊዩ ሕቶ ህዝቢ ኦሮሞ ኣይተመለሰን ብዝብል ዕጥቓዊ ቓልሲ ከምዝቐፀለ ይዝከር ይብል ፀብፃብ ናኮር መልካ።

ብኻሊእ ዜና ህወሓት ኣምሓራ ብምጥቓዕ ናብ ስልጣን መምለሲ ገይሩዎ ኣሎ ክብል ናይ ኣምሓራ ናይ ብልፅግና ፓርቲ ከሲሱ።ህዝቢ ኣምሓራ ኣብ ኦሮሚያ ይኹን ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ብናይ ህውሓት ናይ ውክልና መጥቓዕቲ እዩ ኢሉ ኣሎ።

ህወሓት ልዕሊ 40 ዓመታት ንዝዘለቐ ናይ ኣምሓራ ዝፀልእ ዛንታ ህዝቢ ኣምሓራ ምስ ካሎት ኣሕዋት ህዝብታት ናይ ምንፃል ስርሑ ፍረ የፍሪ ከምዘሎ መርኣያ እዩ ይብል እቲ ፓርቲ።

ህዝቢ ኣምሓራ ብዘለዎ ናይ ኢትዮጵያዊነት ፅኑዕ እምነት ሃገረይ ኢሉ ኣብ ኩሉ ከባቢታት እታ ሃገር እንተነበረ እውን ብህወሓትን ዝኣመሰሉን ሓይልታት ንብረቱ ይዝመትን ጉጅልኣዊ መጥቓዕቲ ይፍፀሞን ይብል እቲ መግለፂ።ኦነግ ሸኔ ይኹንካልኦት ሓይልታት ብዘይካ ናይ ህወሓት ፕሮፓጋንዳን ናይ ዕጥቕን ፋይናንስ ድጋፍ ብከምዚ ንፌደራል ይኹን ንክልላዊ መንግስቲ ኣፀጋሚ ኣይምኾነን ነይሩ ይብልወሲኹ።

ትማሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጎሊስ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ መጠን መጥቓዕቲ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብሓባር የፃሪ ከምዘሎ ብምሕባር ዘጥፍኡ ብሕጋዊ ኣገባብ ክሕተቱ ንናይ ፌደራል መንግስቲ ሓቲቱ ኣሎ።

በተመሳሳሊ ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣብን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ ይፍፀም ዘሎ ዘርኢ ናይ ምፅናት ገበን ሓላፍነት ክወስድ ዘለዎ መንግስቲ እዩ ኢሉ።

ኣብ ምዕራብ ወለጋ ትማሊ ኣብ ልዕሊ 200 ተወለድቲ ኣምሓራ ብመንነቶም ተፈሊቶም ብጃምላ ብዝተፈፀሞም ዘሪኢ ናይ ምጥፋእ ገበን ሓዘኑ ገሊፁ ኣሎ ይብል ፀብፃብ ኣስቴር ምስጋናው።

ኣብ ወለጋ ዝተኸሰተ ቅትለት ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ ምባል ነቲ ጉዳይ ዘቕልል እዩ ዝበሉ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብሓቂ እውን ሞራል ዝሰብር መቕተልቲ እዩ ኢሎም።

ናይ ንፁሃን ቕትለት ንመሰጎሚ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ስርሐይ ኢሉ ዝሓዘ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ህወከት ነጋዶ ኢሎም ዝፀውዑዎም ጉጅለታት ሞት ናይ ኣምሓራ፣ ኦሮሞ ፣ ወላይታ፣ ትግራይ፣ሶማሌን ካልኦት ንፁሃንን ናይ ጥፍኣት ኣጀንድኡ መፈፀሚ ተራ ኣጋጣሚ ካብ ምዃኑ ብዝዘለለ ብሓላፍነት ዘሕትተኒ እዩ ኢሉ ኣይኣምንን ኢሎም።

ኣብ ወለጋ ዝተፈፀመ ቅትለት ኣብይ ኣሕመድ ንሓይልታት ምክልኻል ክወፅእ ድሕሪ ምእዛዙ ኣብ ሒደት ስዓታት ዝትፈፀመ ምዃኑ ዝሕብሮ እዚ ናይ ህወከት ጉጅለን ናይ ኣስመራ መሻርኽቱን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምርፃም ናይ ስልጣን እዋኖም ንሓደ ወርሒ እውን እንተኾነ ንምንዋሕ ይሰርሑከምዘለው መርእያ እዩ ይብል እቲኣቶ ጌታቸው ኣብ ፌስቡኮም ዝዘርግሑዎ ፀሑፍ።

እቲ መፍትሒ ናይ ህዝብን ሃገርን ረብሓ ኣሕሊፉ ምሃቡ ከይኣኽሎ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ፀላእቲ ብምዃን ይመርሖ እየ ንዝብሎ ሃገርን ህዝብን ኣብ ዘይዋፅእ ቁማር እናእተወ ዝርከብ ጉጅመ ኣብይ ኣሕመድ ዝግብኦ ምሃብ እዩ፤ናይ ኣብይን ኢሳያስን መንገዲ ጥፍኣት ክግታእ ኣለዎ ክብልእቲ መግለፂየጠቓልል።

XS
SM
MD
LG