ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕረፍቲ ፕረዚደንት ቬንዙዌላ ሁጎ ቻቬዝ፣ምንጪ ብርክት ዝበሉ ተዘክሮታት ከምኡውን ንህዝቢ ቬንዙዌላ ንሓድሽ ተስፋ ንከቋምቱ ገይርዎም‘ሎ።

ቀረባ ብፃይ ሚስተር ቻቬዝ ዝኾኑ ፕረዚደንት ቦልቭያ ኢቮ ሞራለስ፣ እናነብዑ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣መዋታይ ፕረዚደንት ንናፅነቶም ንዝቃለሱ ህዝቢታት ዘነቃቅሕ‘ዩ ኢሎም።ቻቬዝ ኣይሞተን‘ውን ይብሉ ንሶም።

ካልእ ቀረባ መሻርኽቲ ቻቬዝ ትባሃል ኩባ፣ንባንዲራኣ ፍርቂ ትሕት ኢሉ ንክንብልበል ኣዚዛ‘ላ።መንግስታዊ መግለፂ ድማ፣ህዝቢ ኩባ ንሚስተር ቻቬዝ ሓደ ካብ ብሉፃት ደቃ ገይራ‘ያ ትቆፅሮም ይብል።

ፕረዚደንት ኣርጀንቲና ክሪስትና ፈርናንደዝ ብወገነን፣ናይ ሰለስተ መዓልታት እዋን ሓዘን ኣዊጀን።ኣብ ቀብሪ ቻቬዝ ንክሳተፋ‘ውን ክገይሻ ምኻነን ገሊፀን።

ሓዘኖም ዝገለፁ ፕረዚደንት ኢራን መሓመድ ኣሕመዲነጃድ፣ኣብ‘ቲ ዓርቢ ዝፍፀም ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክሳተፍ ይኸውን‘የ ኢሎም።

ቻይና ንሚስተር ቻቬዝ ዓብዪ መራሒን ዓብዪ መሓዛ ህዝቢ ቻይናን ኢላ ገሊፃቶም።

ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባን፣ንህዝቢ ቬንዙዌላ፣ፅንዓት ይሃብካ ኢሎም‘ለው።

ናይ ሚስተር ቻቬዝ ዘየባሪ ዒላማ ዝኾነ ምምሕዳር ኦባማ፣ጥንቁቅ ሪኢቶ ሂቡ‘ሎ።ኣብ ዝተዘርገሐ መግለፂ፣ንህዝቢን ረብሓን ቬንዙዌላ ከምዝድግፍን፣ ምስ መንግስቲ ቬንዙዌላ፣ሃናፂ ፅምዶ ከምዝምነን ኣዘኻኺሩ።
XS
SM
MD
LG