ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምንቑልቋል ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ንዘሎ ዓመጽ ክሓላልኾ የብሉን ክብል ሁማን ራይትስ ዎች ኣጠንቂቑ


ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ 2017 ንኣሰርተታት ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ መዝነቶም ዝለቐቅሉ ዓበይቲ ናይ ፖለቲካዊ ለውጥታት ዝራእዩላ ዓመት እያ።ይኹን ደአ እምበር እዚ ለውጢ ነቲ ኣብታ ኣህጉር ዝረአ ግህሰት መሰላትን ሲቪላዊ ነጻነትን ዝሓላልኽ’ዩ ክብል ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ዓመታዊ ኣብ ዘውጽኦ ሪፖርቱ ሓቢሩ።

ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝወጹ ጸብጻብ ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላት ንኣህጉር ኣፍሪቃ ብቀዳምነት ዝሰርዑ ኣይነበሩን እዚ ድማ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን “ሓደገኛ ምንቅስቃስ” ንዝበሎ ንመሪሕነት ኣሜሪካ ፡ሩስያን ቻይናን ካብ ዘሎ ኣድልዎ’ዩ ክብል እቲ ትካል ወሲኹ የረድእ።

ይኹን ደአ እምበር እቲ ትካል ንኣፍሪቃ ካብ ምክትታትል ደው ኢሉ ማለት ከምዘይኾነ ምክትል ዳይሬክተር ሁማን ራይትስ ዎች ባባቱንዳ ኦሉንጎጂ ይገልጹ።

“ጾታዊ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝተቐተሉ ሰባት፡ ዝተአሰሩን ኣብ ማእሰርቲ ዝርኸቡ ሰባት ብዛዕባ ምስ ሰሜን ኮርያ ክሕልው ዝኽእል ናይ ኑክሌር ኹናት ኣይኾኑን ዝሓስቡ፡ ነዞም ሰባት ዘተሓሳስቦም መንግስተይ ንመሰላተይ ክሕልው ሓላፍነቱ እዩ፡ መንግስተይ ንምርግጋጽ መሰላተይ ሓላፍነቱት ኣለዎ ዝብሉ ጉዳያት እዮም።”

ንምክትል ዳይሬክተር ሁማን ራይትስ ዎች ኦሉግቦንጂን መሳርሕቶም ዘተሓሳስቦም ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘሎ ደማዊ ምንቅስቃስ ጥሩፍ ጉጅለ ቦኮ ሓራም፡ ኣብ ካሜሮን ንተቓውሞ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ንምዕፋን ዝኻየድ ስጉምትታት፡ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፖብሊክ ኮንጎ ዘሎ ዘይምርግጋእን ምትሕልላፍ ሃገራዊ ምርጫን ዝአመስሉ ጉዳያት እዮም።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ታንዛንያ ዘሎ ተቓውሞ፡ ኣብ እዋን ምርጫ ኬንያ ዝተራእየ ተቓውሞን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ቀጻሊ ኩናትን እዩ።

ተመራመርቲ ኣብ ጋምብያን ኣንጎላን ዝተራእዩ ንኣሰርተታት ዓመታት ኣብ መሪሕነት ዝጸንሑ መራሕቲ ስልጣን ምልቃቕ ዝዓመሰሉ ምዕባለታት ነጻነት ቀስ ብቀስን ዝኸአልን ዝዓብይን ዘሎ እዩ ኢሎም ተስፋ ይገብሩ።

መራሕቲ ኣፍሪቃ ብሰንኪ አኻታዕቲ መራሕቲ ዓለም ጸቕጢ ካብኣቶም ዝተላዕለ ይመስሎም ይህልው እንተኾነ ግን ሁማን ራይትስ ዎች ግን ኪሉ ጊዜ ንሃገራት ኣፍሪቃ ይዕዘብ’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG