ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ቦሌ ቡልቡላ ክፈርሱ ዝተገብረ ገዛውቲ ዘይሕጋዊ’ዮም ክብል ምምሕዳር’ታ ከተማ ገሊጹ


ሎሚ ቅነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቦሌ ቡልብላ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ክፈረስ ዝተገብረ ኣባይቲ መብዛሕትኡ ብኣቋራጭ ክህብትሙ ብዝደልዩ ውሑዳት ሰብ ሃብቲ ዝተሰርሐ ምዃኑ ኣረጋጊጸ’ለኹ ክብል ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቦሌ ቡልቡላ ወረገኑ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ዝነበሩ እዞም ኣባይቲ ካብ መጀመርትኡ ዘይሕጋዊ ምዃኖምን መስርሕ ህንጸትቲ ኣባይቲ ብእዋኑ ክቋረጽ እቲ ምምሕዳር ምትሕስሳቡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ከንቲባን ጉዳያት ካቢኔን ኣቶ ኣሰግድ ጌታቸው ሎሚ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ወናኒ ገዛ ንምዃን ሕጋዊ ኣማራጺ እናሃለወ ብዚንጎታትን ላስቲክን ዝተሰርሑ እዞም ኣባይቲ መሬት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምሓዝ ዝግበር ወረራዩ፡ እዚ ኸአ መብዛሕትኡ ጸገም ገንዘብ ብዘለዎም ሰባት ዝተሰርሐ ኣይኮነን ክብሉውን ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG