ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ቦረና ድርቂ ሕዚ’ውን ቐፂሉ


ካብ1.5 ክሳብ ክልተ ኪ.ሜ ኣብዝነውሐ ርሕቐት 16 ዝሞታ ከብቲ ይርአያ

ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ቦረና ንኽልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ዝዘለቐ ድርቂ ሕዚ’ውን ቀፂሉ’ሎ።ኣብ ፍርቂ ወርሒ መስከረም ክወቅዕ እዩ ተብሂሉ ትፅቢት ተገይርሉ ዝነበረ ዝናብ እውን ክሳብ ሕዚ ድርቂ ኣዐሪዩ ኣብ ዘጥቕዐን ሓሙሽተ ወረዳታት ኣይወቅዕን ዘሎ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ 705 ኪሎሜትር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ዶብ ኢትዮጵያን ኬንያን መንገዲ ሞያለ ዝደረቑ ኣእዋምን ቁጥቃጦን ይረአዩ።

እቲ ድርቂ ነቲ ከባቢ ሓምለዋይ ቀለም ሪኡ ዘይፈልጥ ምድረ በዳ ኣምሲሉዎ’ሎ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ 705 ኪ.ሜ ዝርሓቐ ምዃኑ ኣብ ጥቓ ዘርኢ ምልክት ሓንቲ ላሕሚ ወዲቓ ትርአ።

መዓስ ከምዝሞተት ዋላ እንተዘይተፈለጠ’ውን ስግኣ ብሃሩር ፀሓይ ስለዝደረቐ ቆርበታ ምስ ዓፅማ ተጣቢቑ’ሎ።ድርቅን እቲ ብርቱዕ ፀሓይን ንተን ዝሞታ ከብቲ ኣብ ውሽጢ ማዕልታት የድርቐን።

ከብቶም ዝሞቱዎም እንስሳት ብምርባሕ ዝመሓደሩ ነበርቲ ኣለሻ ሳዕሪ ንተን ካብ ሞት ዝተረፋ ንምድሓን ስልዝጎዓዙ ደው ኢሎም ቆርበት ንምግፋፍ ግዜን ሓል ሓሊፉ ድማ ዓቕሚ የብሎምን።

ዝበዝሑ ነበርታ ካብ ከብቲ ብዝርከብ ፍሪያት ዝመሓደሩላ ቦረና ካብ 60 ክሳብ 75 ሚእታዊ ዝኾኑ ከብቶም ከምዝሞቱ ይግመት።ሕቡራት መንግስታት ከምዝበሎ እንተኾይኑ ናይ ወርሒ ሚያዝያ ናይ ልደት ዝናብ ንኽልተ ግዜ ከይወቕዐ ዝለዝተረፈ ካብ ርብዒ ሚሊዮን ከብቲ ንላዕሊ ከብቲ ሞይተን ኣለዋ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ሰበኽ ሳግም ዞባ ቦረና ኣቶ ሊበን ኣሬሮ እቲ ቑፅሪ ክንዲ’ዚ እዩ ምባል ከምዘይክኣል ምስገለፁ ’’ሞት እንስሳት ኣብ ከብቲ ጥራሕ ኣይተወሰነን።ድርቂ ዝፃወሩ ዝበሃሉ ከም ግመል፡ጤል፡ኣድገ ፈረስን’ውን ሞይቶም እዮም።’’ይብሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ዝሞቱ እንስሳት ብኣሃዝ እንተዘየቐመጠ’ውን ኣብቲ ከባቢ ንረድኤት ዝተቓልዑ ቁፅሪ ሰባት ግን ይገልፅ።

ኣብ መጀምሪያ ወርሒ ጥሪ ብምክልኻል ሓደጋ ይርዳእ ዝነበረ ተሓጋዚ 40 ሽሕን 600 ክውዝነበረን እቲ ድርቂ እናኽፍአ ምስመፀ ግን ናብ 90 ሽሕን 900ን ብምዕባይ ኣብዚ ሕዚ ስዓት ናብ 277 ሽሕ 282 ከምዝደየበ ኣቶ ሊበን ይገልፁ።

ብህፁፅ ሓገዝን ብሰፍቲ ኔትን ካብዝሕገዙ ሰባት ብተወሳኺ ንኣዴታትትን ህፃውንትን ንጉድኣት ኣካልን ንኣረጋዊያንን ዝወሃብ ረድኤት እንትድመር ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ቦረና ሓገዝ እናተውሃቦ ይርከብ። እቲ ናይ ድርቂ ኹነት ካብ ያቤሎ ክሳብ ድሬ፡ዲሎ፡ሚዮ፡ሞያለን ዳስ ኣዝዩ ዝኸፍአ እዩ።

XS
SM
MD
LG