ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ጀርመን ዝመጸት ጉጅለ ሓካይም ኣብ ኤርትራ ናይ ልቢ መጥባሕቲ ትገብር ኣላ


እታ ጉጅለ ሓካይም መጥባሕቲ ጀርመን፡ ምስ ኤርትራውያን ዶክተራት ብምትሕብባር፡ ምስ ጸገም ድኻም ልቢ ንዝውለዱ ቆልዑ ኣተኩሮም መጥባሕቲ የካይዱ ምህላዎም፡ ሓላፊት ክፍሊ ህጻናትን ቤት ትምህርቲ ሕክምና ኦሮታን ፕሮፌሰር ጽገረዳ ገ/ሂወት ንቪኦኤ ሓቢራ።

መራሒ`ቲ ጀርመናዊ ጉጅለ ዶ/ር ኣንድሬ ኡርባን ብዛዕባ`ቲ ተልእኮኦም ክዛረብ ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ 16 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ነጻ ኣገልግሎት መጥባሕቲ ኣብ ምሃብ ጥራይ ከይተደረቱ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ምልውዋጥ ተመክሮን ከምዝነጥፉ ድሕሪ ምሕባር፡ምስራሕ ናይ`ዚ ማእከል መጥባሕቲ ብዙሓት ናይ ልቢ ጸገም ዘለዎም ቆልዑ ኣብ ሃገሮም ብውሑድ ወጻኢታት ንክሕከሙ ዕድል ከምዝፈጠረ ኣረዲኡ።

ወለዲ ናይቶም ተሕከምቲ ቆልዑ ብወገኖም ብዝረከብዎ ነጻ ኣገልግሎት ጥዕና ደቆም ብምምሕያሹ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም።

ነቶም ሓካይምን ሕሙማትን ብምዝርራብ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

Recommended

XS
SM
MD
LG