ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለም ኣብ 2024 ኣብ ምርጫ ክሳተፍ'ዩ


ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለም ኣብ 2024 ኣብ ምርጫ ክሳተፍ'ዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:45 0:00

ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለም ኣብ 2024 ኣብ ምርጫ ክሳተፍ'ዩ

ኣብ ቐረባ መዓልታት ዝጀመረ ሓድሽ ዓመተ 2024 ንዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዓብይ ፈተና ክኸውን እዩ። ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ወይ ኣብ 50 ሃገራት ዝነብር 4-ቢሊዮን ዝግመት ህዝቢ ኣብ ዝካየዱ ምርጫታት ድምጹ ክህብ'ዮ።

ታይዋን 13 ጥሪ 2024 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክተካይድ እያ። ቻይና ነታ ደሴት ብሓይሊ ከም እትመልሳ ምፍርራሓ ድማ ነቲ ምርጫ ጸልዩ ዘሎ ሓደ ዛዕባ'ዩ። ብመዕቀኒ ርእይቶ ህዝቢ ይመርሕ ዘሎ ሕፁይ ገዛኢ ፕሮግረሲቭ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ዊሊያም ላይ ነድምፅ ዘለና ንመፃኢ ዕጫ ታይዋን ንምውሳን እዩ ይብል።

"ንመፃኢ መራሕቲ ታይዋን መፃኢ ዕጫ እታ ሃገር ክውስኑ ጥራሕ ኣይኮናን ንመርፅ ዘለና ስለ ሰላምን ምርግጋእን ዞባ ኢንዶ-ፓሲፊክ እውን እምበር፡ ኣይኮነን ድዩ?"

277-ሚሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢንዶኖዥያ እውን ኣብ ዝቕፅል ወርሒ'ዚ ሓድሽ ዓመት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከተካይድ እያ። እዚ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለም ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝዓበየ ድምፂ ዝወሃበለን ሃገር ይገብራ።

ፓኪስታን ድማ መራሒ ተቓወምቲንን ቀዳማይ ሚንስተር ነበርን ኢምራን ኸሃን ናይ መንግስቲ ምስጢር ብምውፃእ ተኸሲሱ ንሱ ግን ነቲ ክሲ ነጺጉ ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝርከበሉ ኣብ ወርሒ ለካቲት ፓርላመንታዊ ምርጫ ክተካይድ እያ።

ሩሲያዊያን ኣብ መጋቢት ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድምፆም ክህቡ እዮም። ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብርግፀኝነት ክዕወቱ እዮም።

ህንዲ ካብ ሚያዚያ ክሳብ ግንቦት ኣብ ዘሎ እዋን ፓርላመንታዊ ምርጫ ክተካይድ እያ። ናይ ቀዳማይ ሚንስተር ናረንድራ ሞዲ ፓርቲ ድማ ብመዐቀኒ ኣሃዛዊ ርእይቶ ህዝቢ ይመርሕ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ሜክሲኮ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከተካይድ እያ። ሓድሽ ኣገዳሲ ፍፃመ ከበስር ዝኽእል እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎ።

ሜክሲካዊ ተንታኒ ምርጫ ዝኾነ ፓትሪሺዮ ሞረሎስ ከምዚ ይብል፡ "ታሪኻዊ ፍፃመ እውን እዩ ክኸውን ምኽኒያቱ ንፈለማ ግዜ ጓል አንስተይቲ ንሜክሲኮ ክትመርሓ ተኽእሎ ስለ ዘሎ።"

ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ሰነ ፓርላመንታዊ ምርጫ ከካይድ እዩ።

ብሪጣንያ ኣብ መወዳእታ እዚ ሓዱሽ ናይ ኣወሮጳዊያን ዓመት ምርጫ ክተካይድ እያ። መዐቀኒ ርእይቶታት ህዝቢ መራሒ ሌበር ፓርቲ ከይር ስታርመር ነቲ ን14 ዓመት ዝፀንሐ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ ምምሕዳር ዓቃባዊያን ፓርቲ ከብቅዕ ክገብሮ ይጉዓዝ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ኣመሪካዊያን ንደሞክራቲክ ጆ ባይደን ካልኣይ ዕድል ድዮም ክህቡዎ ወይስ ንመወዳደርቶም ክኾኑ እዮም ዝበሃሉ ሪፓብሊካዊ ዶናልድ ትራምፕ ክመርፁ 5 ሕዳር ክውስኑ እዮም። ክልቲኡ ውፅኢት ዓለምለኻዊ ሳዕቤን ወይ ትርጉም ክህልዎም እዩ።

ኣብ ለንደን ኪንግስ ኮሌጅ ዝሰርሕ ኣናንድ መኖን ብናይ ኣውሮጳዊያን ኣተሓሳስባ ዶናልድ ትራምፕ ንኔቶ ብቕልጡፍ ኣብ ስግኣት ከውድቖ እዩ ዝብሉ ስግኣታት ኣለው ይብል።

ኣብዛ እትቕፅል ዓመት መረፅቲ ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ዲሞክራሲያዊ ሓይሎም ክጥቀሙ ይቀራረቡ ኣለው። ናይዚ ሳዕቤን ድማ ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝርአ እዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG