ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ርእሰ-ከተማ ሀይቲ ነብሶም ንምክልኻል ይዳለዉ


ነበርቲ ከባቢታት ርእሰ-ከተማ ሀይቲ ዝዀኑ ዜጋታት፡ ካብ ጭፍራ ዓዋሉ ነብሶም ንምክልኻል፡ ጎዘሞ፡ ጠራሙስን ኣእማንን ዓጢቖም ይዳለዉ ምህላዎም ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ዜና ይሕብር።

እቶም ነበርቲ እዚ ነብሰ-ምክልኽል ዝገብሩዎ ዘለዉ ሰኑይ፡ እኩብ ህዝቢ 13 ኣባላት ጭፍራ ዓዋሉ ኣብ ጎደና ድሕሪ ምቕታሉ’ዩ። እቲ ስግኣት ከም ግብረ-መልሲ እቲ ጎንጺ ከይልሕምን ናይ ሕነ-ምፍዳይ ተርእዮታት ከይስዕብን’ዩ።

ኣብ ሀይቲ ድሕሪ ቅንጸላ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ኣብ 2021፡ ኣስታት 60% ናይታ ርእሰ-ከተማ ብዓዋሉ ዝመሓደር’ዩ። ንዅሉ ውሕስነት ዝህብ ሓይሊ ጸጥታ ስለ ዘየሎ ድማ ገለ ከባቢታት ካብ ክመጽእ ዝኽእል መጥቃዕቲ ዓዋሉ ነብሶም ባዕላቶም ክከላኸሉ ይግደዱ።

XS
SM
MD
LG