ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሀይቲ፤ እኩብ ህዝቢ 13 ኣባላት ጭፍራ ዓዋሉ ዝበሎም ይቐትል


ነበርቲ ርእሰ-ከተማ ሀይቲ፡ ኣባላት ጉጅለ ዓዋሉ ዝበሎም 13 ዜጋታት፡ ብጎማ መኪና ገይሩ ኣብ ጎደናታት ከም ዘቃጸሎም መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም። ነቲ ስጕምቲ ዝወሰዱ ነባሮ፡ ነቶም ግዳያት ካብ ፖሊስ ብምምንዛዕ’ዮም ነቲ ናይ ምቅጻል ስጉምቲ ፈጺሞሞ።

ህዝቢ ከመይ ገይሩ ነቲ ሃንደበታዊ ዝመስል ስጕምቲ ምውሳዱን ምውዳቡን ፖሊስ ሀይቲ ዛጊት ንጹር ሓበሬታ ኣይሃበን። ካብቶም ዳሕራይ ብማዕበል ህዝቢ ዝተቐትሉ ጭፍራ ዓዋሉ ገለ ኣጽዋር ኣቐዲሙ ከም ዝሰለበ ግን ሓበሬታ ፖሊስ የመልክት።

እዚ ትማሊ ሰኑይ ዘጋጠመ ተርእዮ፡ ኣብታ ሃገር ኣጓኒፉ ንዘሎ ስእነት ተሓታትነትን መሪሕነት ዘርኢ’ዩ ይብሉ ናይ ቀረባ ምንጭታት።

ጭፍራ ዓዋሉ፡ ንኣስታት 60% ርእሰ-ከተማ ፖርት ፕሪንስ ከም ዝቆጻጸሩዋ ይፍለጥ። ድሕሪ ቅትለት ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ጆቨነል ሞይሰ ኣብ ሓምለ 2021፡ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ምንቍልቋል ስእነት ጸጥታ ምህላዋ ይሕበር።

XS
SM
MD
LG