ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ሓደ ዓመት


.
.
ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ሕልፈት ኣቶ መለስ ዜናዊ ስዒቡ ስልጣን ቀዳማይ ምንስትርነት ካብ ዝሕዙ ዳርጋ ሓደ ዓመት ኮይኑዎም ኣሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ሰላማዊ ሰልፍታትን ናይ ካብኔት ብወዛን ዋላ እንተተገበሩን ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ለውጢ ዝህሊ ኣይመስልን።

መርድእ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣቶ መለስ ዜናዊ ንጉሆ 21 ነሓሰ 2012 ኣ/ፈ ነይሩ ዝተሰምዐ።ሕልፈት ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ ምኽትሎም ንዝነበሩ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ነታ ብበዝሒ ህዝባ ካብ ኣፍሪካ ካልአይቲ ዝኾነት ሃገር ቀዳማይ ምንስቴር ንክኾኑ መንገዲ ኸፊቱሎም።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዝውቱር ዘይኮኑ ብርክት ዝበሉ ፀረ-መንግስቲ ተቓውሞታት ተኻየዶም።እቶም ሓድሽ ቀዳማይ ምንስቴር ንመብዛሕቲኦም ኣባላት ካብኔት ተኪኦሞም።

ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ምንስቴር ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ እዞም ምዕባለታት እዚኦም ኣብ ውሽጢ እቲ መንግስቲ መሰረታዊ ለውጢ ይግበር ከምዘለው ዘርእዩ ኣይኮኑን ይብሉ።
ኣቶ ሃይለማሪያ በቲ ገዛኢ ፓርቲ ዝወፁ ፖሊስታት እዮም ኣብዚ እዋን ዝትግብሩ ምስ በሉ ኣቶ ጌታቸው ‘’ብመዳይ ኣንፈታትን መሰረታዊ ፖሊስታትትን ለውጢ ዝፅበዩ ሰባት እንተሃሊዮም ተጋጊዮም።ምኽንያቱ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝኾነ ይኹን ለውጢ ናይ ምግባር ሓሳብ ይኹን ተርእዮ የለን።’’

ምህንድስና ዝተምሃሩ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ነሓሰ ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ምንስቴር ወፃእን እዮም ነይሮም።ንሶም ቀዳማይ ምንስቴር ምስኮኑ መስርሕ ናይ ሓባር መሪሕነት ተተኺሉ።ሰበስልጣን መንግስቲ ግን ኩልሻዕ ናይ ሓባር መሪሕነት ኣካል ፖሊሲ እቲ ገዛኢ ፓርቲ እዩ ይብሉ።

ኣብ ኢኒስቲትዩት መፅናዕትታት ፀጥታ ፖለቲካዊ ተንታኒ ዝኾኑ ሰለሞን ደርሶ ሎሚ ፖለቲካዊ ስልጣን ኣብ ቀዳማይ ምንስቴር ዝተማእኸለ ኣይኮነን ይብሉ።

ዝተፈላልዩ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብ ምምሕዳር ከም ናይ ክልል መንግስታት፣ኣባላት ጥምረት እቲ ውድብን መሓውራት ፀጥታን እናተመኻኸሩ ከምዝፍፅምዎ ይገልፁ ኣቶ ሰለሞን።
ብሕታዊ ተቓዋሚ ኣባል ፓርላማ ኣቶ ግርማ ሰይፉ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ንዝተኻየዱ ተቓውሞ ሰልፍታት ካብ ዘዋደዱ ፓርትታት ሓደ ናይ ዝኾነ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ፓርቲ ኣባል እዮም።ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ኣብ ፓርላማ ካብቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ዝተፈለየ ባህሪ የርእዩ ኣለው ይብሉዎም ኣቶ ግርማ።

ቅድም ክብል ቀዳማይ ምንስቴር ኩሉ ነገር፣ናይታ ሃገር ሕጊ ስለዝነበረ ኣብቲ እዋን እቲ ፓርላማ ትርጉም ኣልቦ ነይሩ ይብሉ ኣቶ ግርማ ሰይፉ።

እዞም ናይ ባህሪያት ኣፈላላያት ዋላ እንተሃለው እውን ግን መንስግቲ ኢትዮጵያ ዝተፈለየ ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ነፃነት ክረኽቡ ኣብ ምግባር ዝሓዞ መርገፂ ዝተለወጠ ኮይኑ ኣይስምዖም ኣቶ ግርማ።

ኣብዛ ሃገር ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ንምቕያር ርኡይ ዝኾነ ገለ ነገር ክገብሩ ከምዘለዎምን ነገራት ንምምሕያሽ ስጉምቲ ክወስዱን ይምዕዱ ንሶም።

ካብ 1991 ኣ/ፈ ጀሚሩ ናይ ኣርባዕተ ፓርትታት ጥምረት ዝኾነ ኢህወዴግ ንኢትዮጵያ ኣብ ምምራሕ ይርከብ።ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ 2015 ኣ/ፈ ኣብዝካየድ ምርጫ ክሳተፉ ትፅቢት ይግበር።ኣብ ፈላማይ ዓመት ስልጣኖም ብዙሕ ኣይተርኣዩን።ወሃቢ ቃል ጌታቸው ረዳ ግን ኣብ ካልኣይ ዓመት ስልጣኖም ምስ ህዝቢ ብቐረባ ፅምዶ ክገብሩን ኣብ ከይዲ ዴሞክራስን ቁጠባዊ ዕብየትን ዝበለፀ ምዕባለ ከርእዩን እዮም ብምባል ለውጢ ከምዝህሊ ሓቢሮም።
XS
SM
MD
LG