ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሹመት ሃይለ መንቆርዮስ - ወኪል ሕ/ሃ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ


Haile Menkerios, Utusan PBB untuk Sudan dan Sudan Selatan
Haile Menkerios, Utusan PBB untuk Sudan dan Sudan Selatan
ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ-ሙን ንኣቶ ሃይለ መንቀሪዮስ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ሓድሽ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታት፣ኣብ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ድማ ብማዕረግ ሓጋዚ ዋና ፀሓፊ ፍሉይ ወኪሎም ገይሮም ሸይመምዎም።

ኣቶ ሃይለ ሒዞምዎ ዝርከቡ ሓልፍነት ፍሉይ ልኡኽ ዋና ፀሓፊ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ከምዝቕፅልሉን ኣገልግሎት ዘመኖም 30 ሰነ 2013 ኣ/ፈ ይዛዝሙ ንዘለው ዛካሪ ሙቡሪ-ሙይታ ከምዝትክኡዎምን ተፍሊጡ’ሎ።

ኣቶ ሃይል መንቆሪየስ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪካን ሕቡራት መንግስታትን ዘዋህለልዎ ሰፊሕ ተመኩሮ እዮም ሒዞም ዝምደቡ ዘለው።ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኮይኖም ኣብ 2011 ቅድሚ ምምዛዞም ካብ 2010 ኣ/ፈ ጀሚሮም ወኪልን ሓላፍን ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ሱዳን፣ካብ 2007 ክሳብ 2010 ኣ/ፈ ድማ ምኽትል ዋና ፀሓፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ብምዃን ሰሪሖም።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንነዊሕ እዋን ቅድሚ ምግልጋሎም ካብ 1991 ክሳብ 2000 ኣ/ፈ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ውድብ ሓድነት ኣፍሪካን፣ፍሉይ ልኡኽ ሱማሊያን ዓበይቲ ቓላይን ከምኡ’ውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ብምዃን ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት ሓላፍንት ኣገልጊሎም እዮም።
XS
SM
MD
LG