ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

40 ኣባላት ባይቶ ካብ ሰልፊ ደሞክራት ኣብ ጉዳይ ምቁጽጻር ሸመተ ዕድጊ ብረት ድምጺ ክወሃብ ብምጥላብ ተቓውሞ ኣካይዶም


ኣስታት 40 ኣባላት ባይቶ ካብ ሰልፊ ደሞክራት ኣብ ጉዳይ ምቁጽጻር ሸመተ ዕድጊ ብረት ድምጺ ክወሃብ ንምስግዳድ ኣብ ባይታ ኮፍ ናይ ምባል ተቓውሞ ኣካይዶም።። እዚ ተቓውሞ'ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ባይቶ ኣመሪካ ተበጊሱ ዝነበረ ክኸውን እንከሎ: ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት ብፍላይ ድሕሪ ኣብ ፍሎሪዳ ዘጋጠመ ቅትለታዊ ፍጻመ 12 ሰነ: ነቲ ጻውዒት ብምሕዳስ ኣብ ምቁጽጻር ዕድጊ ብረት ስጉምትታት ንኽውሰድዩ ኢሎም።

ኣባል ባይቶ ሰልፊ ደሞክራት ክፍለ ግዝኣት ከነክቲካት ጆን ላርሰን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብዚ ጉዳይዚ ድምጺ ናይ ምሃብ መሰሎም ከምዝተነፍጎምዩ ዝገልጽ።

ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ሪፐብሊካውያን ብረት ንምዕዳግ ከትርሩ ይኽእልዩም ዝተባህሉ እማመታት ክቃወሙዎም ምጽንሖምዩ ዝግለጽ። ኣባላት ሰልፊ ደሞክራት ግን ዝሰፍሐ ድሕረ ባይታዊ ፍተሻ ዓደግቲ ብረት ኣብ ሕጊ ክተኣታቶን ግብረሽበራውያንን ሓደገኛ ዝተባህሉ ውልቀሰባትን ድማ ብረት ካብ ምዕዳግ ክኽልከሉን እዮም ዝጠልቡ።

Gun Control Democrats
Gun Control Democrats

ዝተፈላለዩ መለክዒ ህዝባዊ ርእይቶ ከምዝሕብርዎ መብዛሕትኦም ኣመሪካውያን ምኽኑይ ዝኾነ ምቁጽጻር ዕድጊ ብረት ክህልው ከምዝደልዩን እዚ ድማ ብዘይዝኾነ ኣፈላላይ ዕድጊ ከይፍጸም ዝኽልክል ምዃኑን ይኣምኑ።

ኣባል ባይቶ ሰልፊ ደሞክራት ክፍለ ግዝኣት ጆርጅያ ጆን ለዊስ ብወገኑ ሕጊ ኣብ ምቁጽጻር ብረት ተኣታትዩ ናብ ድምጺ ምውሃብ ክቐርብ ይጽውዑ ምህላዎም ኣፍሊጡ።

ባይቶ ኣመሪካ ኣብ ምእትታው ሕጊ ንቁጽጽር ዕድጊ ብረት ስጉምቲ ዘይምውሳዱ ብቐንዱ ብተጽዕኖ ተሰማዕነት ዘለዎም ደገፍቲ መሸጣ ኣጽዋር ምዃኑ ድማ ይሕበር።

እቲ ብኣባላት ሰልፊ ሪፑብሊካውያን ዝተዓብለለ ባይቶ ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣርባዕተ እማመታት ሕጊ ንምቁጽጻር መሸጣ ብረት ብምቅ ዋም ስዒርዎ። እዚ ድማ መሰረታዊ ቅ ዋማዊ ነጻነት ሸየጥትን ገዛእትን ብረት ዝጥሕስዩ ዝብል ምኽን ያት ተዋሂብዎ።

XS
SM
MD
LG