ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መርበብ ሓበሬታት መንግስቲ ኣሜሪካ ምስባሮም ተሓቢሩ


ኣብተን ዝተሰብራ መርበብ ሓበሬታት ዝወጸ መልእኽቲ
ኣብተን ዝተሰብራ መርበብ ሓበሬታት ዝወጸ መልእኽቲ

ገለ መርበብ ሓበሬታት መንግስቲ ኣሜሪካ ትማሊ ሰንበት ምስባሮምን ንገዛእ ርእሱ እስላማዊ መንግስቲ ዝጽውዕ ጉጅለ ዝድግፍ መልእኽቲ ምምሕልላፉን ተሓቢሩ።

እቲ መልእኽቲ “ኣብ ኣመንቲ እስልምና ዝኾና ሃገራት ንዝፈስስ ነፍሲ ወከፍ ንጣብ ደም ንስኻ ዶናልድ ትራምፕን ህዝብኻን ተሓተቲ ኢኹም” ዝብል ኮይኑ “ ንዳዒሽ ንፈትው” ብዝብል ሓረግ እቲ መልእኽቲ ይዛዝም።

በቲ ኩነታት ዝያዳ ዝተሓሰየ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ዝርኸብ ቤት ጽሕፈት ገዛኢ እታ ግዝኣት ጆን ካሲችን በዓልቲ ቤቶም ካረን ካሲችን ናይቲ ክፍለ ግዝኣት ኣገልግሎት ህክምና ዝህብ ቤት ጽሕፈት ምኳኖም ተሓቢሩ ኣሎ።

ካልኦት መርበብ ሓበሬታኣን ዝተሰብረ ክፍለ ግዝኣታት ሃዎርድ ካውንቲ፡ሜሪላንድ፡ብሩክሃቨን ኒውዮርክን እየን።

ካብተን ዝተሰብራ መርበብ ሓበሬታታት ብከፊል ትማሊ ሰንበት ናብ ምዱብ ስርሓን ዝተመለሳ ክኾና ከለው እተን ዝተረፋ ግን ንዝያዳ ውሕስነት ምሉእ ምሉእ ምእላየን ተሓቢሩ’ሎ።

XS
SM
MD
LG