ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፀገማት ሰናይ ምሕደራ ኢትዮጵያ ብኣንደበት ምሁራት ( 2ይ ኽፋል )


ገብረሚካኤል ገብረመድህን(ጸጋም) ናሁሰናይ በላይ (የማን)
ገብረሚካኤል ገብረመድህን(ጸጋም) ናሁሰናይ በላይ (የማን)

ብግብራዊ ስጉምታትት እንተድኣ ዘይተዓጂቡ ፀገማት ሰናይ ምሕደራ ኣለና ኢልካ ምዝራብ እኹል ኣይኮነን ይብሉ ምሁራት መንእሰያት ገብረሚካኤል ገብረመድህንን ናሁሰናይ በላይን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ክልል ደቡብን ኣዲስ ኣበባን ዘለው ፀገማት ሰናይ ምሕደራን ፍትሕን ዘፅንዕ ሓደ ግብረ ሓይሊ ኣጣይሹ ዝሰምዓሉ ኣኼባ ብዝምልከት ዘለዎም ገምጋም ተሓቲቶም ኣብዝሃብዎ ርእይቶ'ዮም ነዚ ዝገለፁ እቶም ምሁራት።

‘ጉባኤ ህውሓትን/ኢህወዴግን ካብ ዝካየድ ጀሚሩ ዝርአ ዘሎ ግልፅነት ተሓቢኢኻ ምዝራብ ብውሱን መልክዑ ዝተሰበረ ይመስል’’ ይብል ናሁሰናይ በላይ።ብተወሳኺ ንሱ እቲ መሪሕነት በዚ ደረጃ ክዘራረብ ዝደለየሉ ምኽንያት እውን እቲ ሓደጋ ነታ ዓዲ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከእትዋ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ምብፅሑ ስለዝተረድአ ይመስለኒ' ይብል።

ገብረሚካኤል ገብረመድህን ብወገኑ‘እቲ ውፅኢት መንግስቲ ሕጋውን ፖለቲካዊው ስጉምትታት ብምውሳድ ንህዝቢ ከረጋግፅ ከሎ ጥራሕ ስለዝኾነ ኣቐዲምካ ናብ ሙገሳን ምድናቕን ክንኸይድ የብልናን’ይብል ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ጸገማት ሰናይ ምሕደራ አብ ኢትዮጵያ ብኣንደበት ምሁራት (2ይ ኽፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:45 0:00

XS
SM
MD
LG