ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጸገማት ሰናይ ምሕደራ አብ ኢትዮጵያ ብኣንደበት ምሁራት (1ይ ኽፋል)


ገብረሚካኤል ገብረመድህን(ጸጋም) ናሁሰናይ በላይ (የማን)
ገብረሚካኤል ገብረመድህን(ጸጋም) ናሁሰናይ በላይ (የማን)

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ክልል ደቡብን ኣዲስ ኣበባን ዘለው ጸገማት ሰናይ ምሕደራን ፍትሕን ሓደ ግብረ ሓይሊ ኣጣይሹ ክጽናዕ ገይሩ’ሎ።

እቲ ኮሚቴ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ዝመርሑዎ ኣኼባ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ተረኺቡ በቲ መጽናዕቲ ዝረኸቦም ጸገማት፣ወራር መሬት፣ምጉዳል ፍትሒ፣ደለልቲ ብሓጺርን ዘይሕጋዊ መንገድን ዘንቀሳቕሱዎ ሚሊዮናት ወዘተ ኣቕሪቡ እዩ።ዝርግሐን ዕምቆትን እቲ ጸገም ካብዚ ንላዕሊ ብምዃኑ ብህጹጽ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ ኢሎም ኣለው ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ።

እቲ ጸገም ካብዚ ንላዕሊ ዝዓሞቐ፣ነዊሕ ዝጸንሐን ሱር ዝሰደደን እዩ ይብሉ መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስን ስትራተጂካዊ መጽናዕትን ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝነበረ ኣብዚ እዋን ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዶክትሬት ዲግሪ ትምህርቱ ዝከታተል ዘሎ ገብረሚካኤል ገብረመድንን ኣብ ዪንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ፌደራሊዝም ጎኒ ንጎኒ ድማ ናይ ዶክተሬት ትምህርቱ ዝከታተል ዘሎ ኣቶ ናሁሰናይ በላይን።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ጸገማት ሰናይ ምሕደራ አብ ኢትዮጵያ ብኣንደበት ምሁራት (1ይ ኽፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:15:50 0:00

XS
SM
MD
LG