ግንቦት ሸውዓተ ዝተብሃለ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ፓርቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ንላዘብ ሕቶ ኣቕሪቡለይ ኢሉ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ሓሶት እዩ ኢሉ’ሎ።
ግንቦት ሸውዓተ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብዘውፅኦ መግለፂ እቲ ናይ ንላዘብ ሕቶ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ብናይ መንግስቲ መልእኸተኛታት ሰለስተ ግዜ ከምዝቐረበሉ ካብ ምግላፅ ወፃኢ መን ምዃኖም ኣይጠቐሰን።
ዝበፅሐና መልእኽቲ ካብ ሓደ ኣካል ጥራሕ ኣይኮነን ዝበሉ ኣቦ መንበር ግንቦት ሸውዓተ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣስዒቦም ‘’ካብ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣካላት በፂሑና’ሎ።ግን እኒ እገለ፣እኒ እገለ እዮም ክንብል ኣይንደልን’’ኢሎም።
ፓለቲካዊ ኩነታት እታ ሃገር ናብ ሕማቕ ቅድሚ ምእታው እቶም ዘለው ጉዳያት ተዘራሪብና ናብ ፍታሕ ዘይንኸድን ዝብል ሕቶ ምቕራቡን ከምዚ ዝበለ ናይ ንላዘብ ሕቶ ዘቕርቡ ኣብ ውሽጦም ንዝህሊ ወጥሪ ንምትንፋስ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም።ድርድር ክግበር እንተኾይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ሓቃዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዘረጋግፅ እንተኾይኑ ጥራሕ ከምዝኾነን ከምዚ ዝበለ ድርድር ንግንቦት ሸውዓተ ጥራሕ ዝምልከት ክኸውን ስለ ዘይብሉ እቲ ጉዳይ ይምልከተና እዮም ምስ ዝብሉ ምስ ኩሎም ክኸውን ኣለዎ ዝብል መርገፂ ከምዝሓዙን ዶ/ር ብርሃኑ ተዛሪቦም።እቲ ዝርርብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝፈልጦ ኣገባብ ክኸውን ከምዘለዎ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።
ምንስቴር ደኤታ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኾኑ ንኣቶ ሽመልስ ከማል ንምዝርራብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰመረን።እንተኾነ ኣቶ ሽመልስ ኣብ ኢትዮጵያ ንእትሕተም ሰሙናዊት ጋዜጣ ሰንደቕ ሎምዕንቲ ረቡዕ ኣብዝሃብዎ ቃል ብሽብር ዝተመደ ግንቦት ሸውዓተ ዝዘርግሖ ወረ መሰረት ኣልቦን እቲ ጉጅለ ከምዚ ምባሉ ንደገፍቱ ኣታሊሉ ሜላ መአከቢ ገንዘብ እዩ ክብሉ ኣቶ ሽመልስ ከማል ነታ ጋዜጣ ተዛሪቦም።