ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓቃባዊያን ኣብ ምርጫ ጀርመን ይዕወቱ


ምርጫ ጀርመን
ምርጫ ጀርመን

ዓቃባዊያን ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ጀርመን ተዓዊቶም። ኤ.ኤፍ.ዲ ብዝብል ዝፍለጥ ርሑቕ የማናዊ ፓርቲ እቲ ዝበለፀ ውፅኢት ብምርካብ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

ቻንስለር ጀርመን ክኾኑ ዝእመነሎም ፍረደሪክ መርዝ "ቀንዲ ጉዳይና መንግስቲ ጀርመን ብቕልጡፍ ክንምስርት እዩ። ኣብ ፓርላማ ድማ ድልዱል ልዕልና ክህልወና እዩ’’ ኢሎም።

ርሑቕ የማናይ ፓርቲ ኤ.ኤፍ.ዲ ካብቲ ዝሓለፈ ምርጫ ዕፅፊ ደገፍ ረኺቡ ኣሎ። ብዛዕባ ስደተኛታትን ድሕነትን ኣመልኪቱ ወፍሪ ድሕሪ ምክያዱ እቲ ዝረኸቦ ደገፍ እናወሰኸ ከይዱ። ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣትሒዙ እቲ ርሑቕ የማናይ ፓርቲ ከምዚ ዝበለ ሓያል ደገፍ ክረክብ ንፈለማ ግዜ እዩ።

ኩሎም ፓርትትታት ንኤ.ኤፍ.ዲ(AfD) ካብ ስልጣን ከም ዘርሕቑዎ ተመባጺዖም ኣለው።

እታ ሕጉስቲ መራሒት ኣሊስ ወይደል "ታሪኻዊ’’ ውፅኢት ክትብል ብምንኣድ ፓርታ ምስ ጥምረት ክልቲኦም ፓርትታት ንምምሕዳር ድልው እዩ ኢላ። "ኣብ መንግስቲ ንምስታፍ ፣ ድልየት ህዝቢ ንምትግባር ድልየት ጀርመን ንምትግባር ኩልሻዕ ኢድና ዝርጉሕ እዩ’’ ኢላ። ናይ ትማሊ ሰንበት ምርጫ ናይ ሾልዝ ጥምረት ኣብ ሕዳር ድሕሪ ምውዳቑ እዩ ተኻየዱ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG