ዋሽንግተን —
ንሶም ደር ስፒገል ንዝተበሃለ መፅሄት ኣብ ዝሃብዎ ቃል ካልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ረፈረንደም ከካይዳ ዘለዓዕል እዩ ኢሎም ።እታ መፅሄት ብዛዕባ ናይ ብሪጣንያ ረፈረንደም ኣብ ዘውፅአቶ ፍሉይ ፀብፃብ ‘’በጃኺ ኣይትኺዲ! ጀርመን ንብሪጣንያ ንምንታይ ተድልያ’’ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ እዩ።
ናይ ብሪጣንያ ምውፃእ ቁጠባዊ ማህሰይቲ እንተድኣ ዘየስዒቡ ተኣምር ክኸውን እዩ ዝብሉ ሻውብል ንሶምን ሰበስልጣን ሕብረት ኣውሮጳን ዝስዕብ ሓደጋ ንምንካይ ንዳሎ ኣለና ኢሎም።
እንግሊዛዊያን 23 ሰነ ኣብዝካየድዎ ረፈረንደም ካብቲ ሕብረት ንምውፃእ ድምፂ እንተሂቦም እታ ሃገር ከም ነርዌይን ስዊዘርላንድን ኣባል እቲ ማሕበር ዘይኮና ማለት እዩ ነፃ ምቅስቓስ ሰባት፣ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ኣይህልዋን ኢሎም። ‘’ምእታው ምእታው እዩ፤ምውፃእ ድማ ምውፃእ እዩ‘’ ኢሎም።
.