ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ኢትዮጵያ ብሰላማውን ደሞክራስያውን ኣገባብ እንተዘይተፈቲሑ ዝኸፍአ ኩነታት ከምዝፍጠር ኢታ ማጆር ሹም ነበር ጀነራል ጻድቃን ኣጠንቂቖም (ቀዳማይ ኽፋል)


ጀነራል ጻድቃን
ጀነራል ጻድቃን

ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ብሰላማውን ዴሞክራሲያዊን ኣገባብ እንተድኣ ዘይተታሒዙ ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ክወስዳ ከምዝኽእል ምልክት ዘርኣየ እዩ ኢሎም ናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ምክልኻል ኢታ ማጆር ሹም ነበር ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።

ንሶም ምስ ቪኦኤ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ቁጥዕኡ ክገልፅ ኣብ ዝወፀሉ ካብ ኩሉ ወገን ህይወት ምጥፍኡን እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓደ ህዝቢ ፅልኣት ምትኳሩን ብፍላይ ድማ ኣብ ጎንደርን መተማን ህይወትን ንብረትን ተጋሩ ምጥፍኡ ዘሕን እዩ ኢሎም።ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ብሰላምውን ዴሞክራሲያዊን ኣገባብ እንተድኣ ዘይተፈቲሑ ነታ ሃገር ናበይ ክወስዳ ከምዝኽእ ዝሕብር እዩ ኢሎም ብምውሳኽ።

ብኣግባብ እንተድኣ ዘይተኣልዩ ብሕገ መንግስታዊ ኣገባብ እንተድኣ ዘይትኣሊዩ ናይ ሓደ ውድብ ምህላውን ዘይምህላውን ከይኮነስ ከም ዓዲ መጠን እውን ህልውንኣ ኽቕፅል ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ኢሎም።

ቅድሚ ኢታ ማጆር ሹም ሓይልታት ምክልኻል ምንባሮም ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴን ፖሊት ቢሮን ህውሓት ከምኡ እውን ኣባል ፈፃእሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዝነበሩ ጀነራል ፃድቃን ‘’ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ብሰንኪ እናፀበበ ዝመፀ ናይ ዴሞክራሲያዊ ሃውህው እዩ’’ ኢሎም።ብምቕፃል ‘’ናይዛ ዓዲ ናይ ኢኮኖሚ ስርዓትን ኣካይዳን ናይ ሰባት ፖለቲካዊ ጠባይ መልክዕ መትሓዚን መግዝእን እዩ ኮይኑ’’ ኢሎም።

ኢህወዴግ ብዝተወሰነ ደረጃ እውን እንተኾነ ናይ ባዕሉ ፀገማት ምርኣዩ ከም ሓደ ኣወንታ ዝርአ’ዃ እንተኾነ ናይቲ ሽግር መሰረታዊ ፀገማትን ፍታሕን ዝርኢ ዘሎ ኣይመስለንን ኢሎም።

Ethio

XS
SM
MD
LG