ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መገሻ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓይኒ ተንታኒ


ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ
ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ

መራሒ ኣሜሪካ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ፣ኣብ መወዳእታ’ዚ ወርሒ’ዚ ማለት ሓምለ 26ን 27ን 2015 ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ መገሻ ክፍፅሙ’ዮም።

‘ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ዘሎ ንግዳዊ ሽርክና ሚዛኑ ዘይሓለወ፣ ንዝሓለፉ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ውግእ ፀረ ግብረ-ሸበራ ጥራሕ ተሓፂሩ ዝፀንሐን ክማሓየሽ ዝግባኦን’ዩ’ ይብሉ ዶ/ር ገላዴዎስ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ ተመዝግቦ ዘላ ኣዎንታ ከምቻይናን ቱርኪን ዝኣምሰላ ሃገራት ተረባሕቲ ምስ ምስግባሩ ኣሜሪካዊያን ኩባንያታት’ውን ተመሳሳሊ ተሳትፎ ዝገብራሉ ኩነታት ንምጥጣሕ እቶም ፕረዚደንት ክሰርሑሉ’ዮም ዝብል ትፅቢት ኣለዎም ጋሻና።

‘ገለ ተቃወምቲ ኢትዮጵያ፣እቶም ፕረዚደንት ናብ ኢትዮጵያ ምጋሾም ምስ ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ኣራኺቦም ዕቃበ ምግላፆም መሰሎም’ዩ’ እውን ይብሉ ዶ/ር ገላዴዎስ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:17 0:00

XS
SM
MD
LG