ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቋንቋ ግእዝ ናብ ስርዓተ ትምህርቲ ኢትዮዽያ ንምእታው ይፃዓር


ኣብ ቤተ ክርስትያን ተፀጊዑ ዝነበረ ቁዋንቁዋ ግእዝ ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ ስርዓተ ትምህርቲ ኢትዮዽያ ክተኣታተውን ኩሉ ካብ ቀዳማይ ብርኪ ኣትሒዙ ንክመሃሮን ከፈልጦን ፃዕሪ ይካየድ’ሎ።

ዛጊድ ኣብ ዩኒቨርሲታት መቐለ፣ባህርዳርን ጎንደርን ከም ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ይወሃብ’ሎ። ኣብ መቐለ ኣብ ዝረከብ ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣብ ሰላማ መንፈሳዊ ኮለጅ መምህር ቁዋንቁዋ ረዘነ ኪዳነ ብዛዕባ እዚ እንትገልፁ “ግእዝ ንምንታይ እዩ ናብ ስርዓተ ትምህርቲ ኣትዩ ኩሉ ክፈልጦ ዘይግብር ዝብል ዓውደ መጽናዕቲ ተኻይዱ ተሳተፍቲ ምሁራት ክካተት ኣለዎ ኣብ ዝብል ተሰማሚዖም ኣለዉ። ሓንቲ ሃገር መጀመርታ ናይ ባዕላ ትውፊትን እሴታትን ክተኽብር ኣለዋ። ግእዝ ድማ መግለፂ ኢትዮዽያዊነት እዩ። ግእዝ ሒዝዎ ዘሎ ሃፍቲ ቀሊል ኣይኮነን። ክንፍትሾ ይግባእ’’ ኢሎም።

ናይ ግእዝ ፊደላት ዘይውክልዎ ድምፂ የለን ዝበሉ መምህር ረዘነ ኣብ ኢትዮዽያ ዘለዉ ኩሎም ቁዋንቁዋታት ብግእዝ ክጥቀሙ ይግባእ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝላዓለ ፃዕሪ ይካየድ ስለዘሎን ግእዝ ዝፈልጡ ብዙሓት ምሁራት ይፈርዩ ስለዘለዉ ካብቲ ዝነበሮ ሎሚ ፅቡቕ ለውጢ ይረአ’ሎ ኢሎም መምህር ረዘነ።

XS
SM
MD
LG