ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ብፖለቲካዊ ሓሳብ ንዝተፈለየ ሓይሊ ከም ፀላኢ ዝቖፅር ውድብ እዩ ኢሎም ገብሩ ኣስራት


ኣቶ ገብሩ ኣስራት
ኣቶ ገብሩ ኣስራት

ንህወሓት ዝወከሉ ዶክተር ኣዲስኣለም ባሌማ ምስ ድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዱዎ ቃለ ምልልስ ነቶም ምስኦም ዝወዳደሩ ዘለዉ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ኣብ ዝፀሓፍዎ መጽሓፍ ቃልሲን መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ ከንቱ እዩ ነይሩ ኢሎም እዮም ብምባል ይነቕፉዎም።

ኣይተ ገብሩ ኣስራት ብዛዕባ እዚ ምላሽ እንትህቡ ሓደ ሓደ መራሕቲ ህወሓት ነቲ መጽሓፈይ ዝቃወምዎ ዘለዉ ኮነ ኢሎም ምስ ህዝብን ተጋደልትን ከባእሱኒ ስለዝደልዩ ይብሉ። መጽሐፈይቃልሲን ጅግንነትን ህዝቢ ትግራይ ከምዘጉልህ ብዙሓት ተጋሩ ኣባላትን ምሁራትን ገሊፆምለይ እዮም እውን ሎም።።

ኣይተ ገብሩ ወላ እኳ ህወሓት ንመናሓንሕቱ ከም ፀላኢ ቆፂሩ ነቲ ህልው ባይታ እንተፅበቦ ነቲ ሕጊ ዝፈቕዶ ሰላማዊ ቃልሲ ተቐቢልና ክንወዳደር ወሲንና ኢና ኢሎም።

ኣቶ ገብሩ ኣስራት ቅድሚ ምግምማዕ ህወሓት፣ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ምንባሮም ዝዝከር'ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:35 0:00

XS
SM
MD
LG