ዋሽንግተን —
ኣብ ዝድሓረ ምልውዋጥ እሱራት፡ ሓማስ ሸሞንተ ጅሆ ዝሓዞም ክለቅቕ ከሎ፡ እስራኤል 110 ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ ትጽቢት ይግበር ኣሎ። እዚ ናይ ሎሚ ምልውዋጥ እሱራት ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ካብ ዝግበር ሳልሳይ ጊዜ'ዩ ተኻይዱ። እቶም ሎሚ ዝተለቐቑ ጅሆ፡ እስራኤላውያንን ደቂ ታይላንድን`ዮም።
ቀዲማ ዝተለቀት ጓል 20 ዓመት እስራኤላዊት ወተሃደር ኣጋም በርገር ክትከውን ከላ ኣብ ኣፍደገ`ቲ ዝዓነወ ገዛ ዝተቐንጸለ መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር`ዩ ንቀይሕ መስቀል ተረኪባ። ኣብቲ ቦታ፡ ፍልስጤማውያን ብጻዕቒ ብምዕጓጎም`ውን እቲ ምርካብ ክደናጎወ ክኢሉ ኔሩ። ዕጡቓት ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ከም መግለጺ ሓይሎም ብቓፍላይ መካይን ናብቲ ናይ ምርኽኻብ ቦታ መጽዮም ኔሮም።
ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ነቲ ከምኡ ዝበለ ምርኢት ብምኹናን ኣህጉራዊ ሸምገልቲ ከምኡ ዓይነት ነገር ከይድገም ክከላኸሉ ጸዊዑ።
ብመሰረት ስምምዕ እቶም ዝተፈናቐሉ ፍልስጢኤማውያን ናብ ገዛውቶም ክምለሱ እስራኤል ካብ ቓዛ ትስሕብ እያ ዘላ።
ሓማስ ከም ለውጢ 2,000 ፍልስጤማውያን ብድምር 33 እስራኤላውያን ጅሆ ክለቅቕ`ዩ።
ሓይልታት እስራኤል ካብ ዝበዝሐ ክፋላት ቓዛ ስሒቦም ኣለው።
ቅጥዒ